ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል CARIAS GERMANY Abergele ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ
1. ወረዳ ኣበርገለ ጣብያ ፈለገሂወትን ጣብያ እንባ ሩፋኤልን ስራሕቲ ተወሳኺ መምሀሪ ክፍልታትን ናይ ማይ ታንከርን (reservoir)
2. ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ ሰብያን ኣብ ኢሮብ ጣብያ ዓሊቴና ፅገናን ሓዱሽ ማይ ኩዓትን (Rehabilitation of Non- functional water points and drilling new shallow well) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ
➢ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ ንዝስርሑ ስራሕቲ ደረጃ -8 ን- ልዕሊኡን ብ GC Or BC ዝኾንኩም ኮንትራክተራት
➢ ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳን ኢሮብን ንዝስራሑ ናይ ማይ ስራሕቲ በቲ ዘርፊ ደረጃ - 5ን-ልዕሊኡን ዝኾንኩም ኮንትራክተራት (Drilling Companies) ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 03/06/ 2026 ኣ/ፈ / ክሳብ ዕለት 09 /06/ 2026 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ
መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።
➢ እቲ ጨረታ ዕለት 09 /06/2026 ኣ.ፈ ስዓት 8:30 (local time) ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ቴክኒካል ደኩመንት ጥራሕ ይኽፈት ::
ፋይናሻል ደኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ድማ ቴክኒካል ምስተኸፈተ መዓዝ ከምዝኽፈት ብምልክታ ዝግለፅ ይኸዉን።
ምስ ሰላምታ
Mekelle, Tigray, Ethiopia PO. Box 69 Tel 0344 41-84-42 | Emaiderooninator@ethionet.et