ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ንብረትን ሕትመትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ፡፡ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በቢ ዘርፉ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ብምምላእ ንኸትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ዝርዝር ተደለይቲ ረቛሒታት

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ፣ ቲን ቁፅሪ ከተሓሕዝ ዝኸእል ፡፡

2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 21/09/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 26/09/2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት 26/09/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሺጉ ስዓት 4፡00 ይኸፈት፡፡

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም፣ ክታም፣ ማህተምን ኣድራሻን ብምዕራፍ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ፡፡

4. ሰዓራይ ትካል ሰዓራይ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ፡፡

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስተኸፈተ ን7 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡

6 እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል ፡፡

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኸእል እዩ ፡፡

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ፡፡

9. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ምስ ሰላምታ