ማሕበር ረዲኤት ትግራይ

ጨረታ ምልክታ

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ማረት/ እዞም ዝስዕቡ ናይ 45 መዓልቲ ደርሆ መዕበይ ቀለብ ናብ የጭላ አበርገለ ንምቅራምጉዓዝን ( Concentrated Feed With Transportatio cost to Yechila Woreda ) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬት፣ ቲን ቁፅሪን፣ ንግዲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከተቕርቡ ትክእሉ ሓዱሽ ቅብሊት ብሚኒስትሪ እቶት ፍቃድ ዝተሓተመ ዘለኩምን 11

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 17/09/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 02/10/2018 ዓ.ም እዮ። እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 02/10/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5:00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን ፡፡ ስለዚ

ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኽእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 02/10/2018 ዓ.ም ሰዓት 9:00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ::

6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ።

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርግን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቅመልእዎ ዋጋ : ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡

8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይከኣልን።

9. እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል።

10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ አማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።