ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ህንፃ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝርከብ ኣብ ስራሕ ዝፀንሐት ጥዕይቲ ባጃጅ ከምኡ እውን ንመቀያየሪ ዝውዕላ ሓንቲ መኪናን ሓንቲ ማሃንዲራን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደሊ በዚ ስራሕ ልምዲ ዘለኩም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻን ዝርዝር ሓበሬታን ከቕርቡ ይግባእ

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 17/09/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ መኸበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2ተ ዝተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ። 

5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

6. ተጫረቲ ብጅምላን ብተናፀልን ንሕድሕድ ንብረት ቫት ሓዊሶም ብክንደይ ዋጋ ከም ዝወስድዎ ኣብቲ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዋጋ መመልኢ ሰነድ ብዘይ ስርዝድልዝ ብንፁር ́ ብዝንበብ ፅሑፍ ክምላእ ድሕሪ ምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ከእትውዎ ይግባእ፡፡

7. ናይ ጨረታ ደኩመንት ናብ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 17/09/2018 ዓ.ም እስካብ ዕለት 25/09/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፡፡

8. እቲ ጨረታ ዕለት 25/09/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።

9. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር ይግባእ።

10. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ስዓሪ ጨረታ ካብ ጠቕላላ ዝቐረበ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ውሕስና /Unconditional Bank Guarantee/ ከትሕዝ ዝኸእል፣

11. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ካዝና ትካል ኣታዊ ተገይሩ ከም ኣድላይነቱ ጨረታ ክወፅእ ከም ዝግበር ተጫራቲ ክፈልጥ ይግባእ።

12. ስዓሪ ጨረታ ሙሉእ ክፍሊት ድሕሪ ምፍፃም ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ካብቲ ተካል ጠቕሊሉ ከልዕሎ ይገባእ፡፡

13. ተጫራቲ ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 15 መዕልቲ ጠቕሊሉ ካብ ትካል እንተዘይ ኣልዒሉዎ እቲ ዘትሓዞ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ተወሪሱ እቲ ንብረት ናብ ተካል ኣታዊ ኮይኑ ከም ኣድላይነቱ ዳግም ናብ ጨረታ ክወፅእ ይግበር፡

14. ተጫረቲ ንቲ ንብረት ኣብ ስራሕ ስዓት ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺቦም ክሪኡ ይኸእሉ እዮም

15. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

16. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 313 ብኣካል ብምቕራብ ወይ ድማ ብ0963095665 ብምድዋል