1 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድግራት ኣስሪሑ ከረክብ ዝክእል
2 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ኣታዊ ምስገበረ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ምልዓል ግዴታ አለዎ
3 ኣብቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ እንተዘይኣልዒሉ ብመሰረት መምርሒ ንበረት ምምሕዳር ዝተትሓዘ መከበሪ ጨረታ ናብ መንግስታዊ ካዝና ኣታዊ ዝከዉን ምካኑ ክፈልጥ ይግባእ
4 ዝዋጋ መምልኢ ሰነድ ምዉሳድ ዝከኣለ ካብ ዕለት 7/9/2018 ዓም ክሳብ 21/9/2018 ዓም ክሳብ ሰዓት 11:00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ጥራሕ ኮይኑ ካብ መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ስራሕ ሰዓት 200 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
5 እቲ ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድግራት ኮይኑ ዕለት 19/9/2018 ዓም ን ዕለት 21/9/2018 ዓም ብአካል መፂእኩም ክትሪኦዎ ትክእሉ ኢኩም
6 እዚ ጨረታ 29/9/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ይክፈት
7 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሽምን ፊርማን ክገብርሉ ይግባእ
8 ተጫረቲ እቲ ዝገዝእዎ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን በበይኑ ዓሺጎም ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብሩ አለዎም
9 ተጫረቲ መለለይ መንነቶም ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ይግባእ
10 እቲ ንበረት ኣብ እዋን ቁፀራ ክዉስክን ክቅንስን ዝክእል ምካኑ አቀዲምኩም ክትፈለጡ ይግባእ
11 ብኪሎ ዝሽየጥ ንብረታት አሸናፊ ተጫራታይ ናይ ባዕሉ ሚዛን ናይ ምቅራብ ግዴታ ዘለዎ ምካኑ አቀዲሙ ክፈልጥ አለዎ
12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693