1 ኣብ ወረዶአም ዝተዉሃቦም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ መረዳእታ ናይ 2018 ዓም ከቅረቡ ዝክእሉን
2 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ስራሕ ዉዕሊ ብምእሳር ሳይት ርክክብ ካብ ዝተፈፀመሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 80 ተከታታሊ መዓልቲታት ብፕላንን ስራሕ ዝርዝርን መሰረት መሉእ ብመሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ዝክእል
3 ኩሎም ተጫረቲ እዚ ምልክታ ብመራከብቲ ሓፋሽ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ከሳብ ዕለት 26/9/2018 ዓም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ካብ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር ጎዓዝያን ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፃ ኣድላይ መረዳእታ ብምሓዝ ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይክእሉ
4 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረቡ ቅጥዕታታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ፊርሞምን ማሕተሞምን ኣዕሪፎም ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረሉ ከቅርቡ ዝክእል
5 ዝተጎደለ ብትክክል ዘይተመለአ ቅደም ሰዓብ ዝተዛበዓ ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ንምንባቡ ዘፀገም ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወጫኢ ይከዉን
6 ተጫረቲ ማለት እዉን ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ዝተዉሃቦም ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነት ናይ ደኣንት ምስክር ወረቀት ናይ 2018 ዓም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ወርሒ መጋቢት ዲክለር ዝገበረ ናይ ህንፀትን ዲዛይንን ቁፅፅርን ምስክር ወረቀት ናይ ቲን ምዝጋባ ብተወሳኪ ስራሕ ዝርዝርን ፕላን ዝሐዘ ሰነድ ሐደ ዋናን ከልተ ቅዳሕን ምሰ ሐደ ዋና መምርሒ ሰነድ ጨረታ ብምምላእ ዋናን ቅዳሕን ብምፅሓፍ ብምፍራምን ነንበይኑ ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ምሰ መከበሪ ጨረታ ጠቅሊሎም ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ኣድራሻን ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍን ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ ህንፀትን ዲዛይንን ስራሕቲ ቁፅፅር ስራሕቲ ህንፃ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 27/8/2018 ዓም ክሳብ ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፅእ ከእትዉ ይክእሉ
7 ሳነዱ ቅጨረታ ድማ ኣብቲ ዐለት ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ዘለዉሉ ይዕፀዉ
8 ድሐሪ ሰዓት 3:30 ንጉሆ ዝመፀአ ሰነድ ጨረታ ናብ በዓል ዋና ከይተከፈተ ይምለስ
9 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 27/9/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መጎዓዝያን ዝረከብ ከይዲ ስራሕ ህንፀት ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ይክፈት
10 ዝኮነ ይኩን ዝእተወ ሰነድ ጨረታ እንተይተከፈተ ኣይምለስን
11 ሰዓራይ ጨረታ ብናይ መደበኛ ደኣንት ዝተልአከልና መምርሒ ክልል ትግራይ ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 19 በ ሐ /26 ብዕለት 14/4/2018 ዓም ዝወፀ መምርሒ ዝፈፀም ይከዉን
12 እቲ ዝሰረሐሉ ቅድም ክብል ኣብ ዝተጠቀሰ ቦታ ጣብያ ዕድጋ ዓርቢ ዓዲ ኣሕፈሮም ዉሽጢ ጥዕና ጣብያ ብኣካል ከይድካ ምርኣይ ይከኣል እዩ
13 ንተወሳኪ ሐበሬታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳርን መጎዓዝያን ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፀትን ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ህንፃ ቁፅሪ ስልኪ 0914038479
14 መከበሪ ጨረታ ብሕጊ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ፋይናንስን ብቅብሊት 10000 ከትሕዝ ዝክእል
15 ድሐሪ ሰለሰተ መዓልቲ ጨረታ ናይ ዝሰዓሮ 2 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል
16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጎዓዝያ ወረዳ ኣሕፈሮም