ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ብናይ ሆቴል ወይ ቤት ቁርሲ ናይ 2018 ዝተሐደሰ ፈቃድን መቅረባይነትን ከምኡ ድማ ናይ ቫት ዝተመዝገብሉን ናይ ወርሒ ሚያዝያ ወይ ናይዚ ቀረባ ናይ ሰለሰተ ወርሒ 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ ናይ ግብሪ መክፈሊ ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለዎምን ነንሕድሕዱ ኮፒ ገይሮም ከቅርቡ አለዎም

2 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ምስ መምርሒ ተጫረቲ ዝገልፅ ካብ 7/9/2018 ዓም ክስብ 24/9/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ዘይምለስ 100 ብር እናከፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 5 ክወስዱ ይክእሉ

3 እቲ ጨረታ 24/9/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት

4 ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ተመሊኡ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣደራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፊርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ብፖስታ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእተዉ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምካፈቱ መከበሪ ጨረታ 50000 ብር ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብሽም ቤት ህንፀት መቐለ ከትሕዝ ዝክእል

6 ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ መፂኡ ዉዕል ክኣስር አለዎ በቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ናብ ናይ ምንግስቲ ካዝና አታዊ ተገይሩ እቲ ቤት ፅሐፈት ካሊእ መማረፂ ይወስድ

7 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ንዘቅርቦ ግልጋሎት ዝከፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 20 ሽሕ እንተኮይኑ 3 ሚእታዊ ዊዝ ሆልድ ታክስ ይከፈል

8 ናይዚ ጨረታ አሸናፊ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዉዕሊ ምስአሰረ 1/11/2018 ዓም ጀሚሩ ስሩዕ ምግቢ ይጅምር

9 መብራህቲን ማይ ክፍሊ ዝምልክተ ብቤት ፅሐፈትና ዝሽፈን ኮይኑ መብራህቲ እንትጠፍእ ዕንፀይቲ ገዚኡ ብባህላዊ መጎጎ ወይድማ ብናይ ምሳሕ ድራር መሰረት ባኒ ገዚኡ ወይ ነዳዲ ናይ ጀነሬተር ባዕሉ መሊኡ ብሳዓቱ ዘቅርብ ምካኑ ክፈልጥ አለዎ

10 ሒሳብ አከፋፋላ ዝምልከተ ኣብ መጨረሻ ወርሒ ኮይኑ ከከምኣድላይኑ በቢክልተ ሰሙን ሒሳብ ምክፋል ይከኣል

11 ሰዓራይ ትካል ኣብ ሚዛን ዝጎደለ ምግቢ ዘይምገበሉ ዝተረፈ መዓልቲ እንተጋጢሙ ተፀብፂቡ ካብ ዝከፈሎ ብር ዝቅነስ ምከኑ ክፈልጥ አለዎ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914120805 0975452063