ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ

ምልክታ ጨረታ ዝሽየጥ ዘገልገለ ንብረት ቁፅሪ 01/2018

ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ ዘገልገለ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. መኽበሪ ጨረታ ብር 2,000.00 ( ክልተ ሽሕ ብር ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ብCPO ከትሕዝ ዝኽእል።

2. ተጫረቲ እትመልእዎ ነፀላ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ብንፁር ክምላእ ይግባእ፡፡

3. ዝጫረትዎ ንብረት ብኣካል ሪኦም ዋጋ ክመልኡ ኣለዎም። ብኣካል ሪኦም ዋጋ እነተዘይመሊኦም ድሓር ንዝመፅእ ሕቶ ተቐባልነት የብሉን።

4. ተጫራታይ ንዝሰዓሮ ንብረት ክወስድ ፍቓደኛ እንተዘይኮይኑ ንመኽበሪ ጨረታ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸዉን።

5. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ክወስድ ዝኽእል፡፡

6. ናይ ዝሽየጥ ንብረት ዝርዝር ካብ ዕለት 07/09//2018 ክሳብ 14/09/2018 ዓ.ም ኣብዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4ይ ደብሪ ቢሮ ኢንዱስትሪ ( ዕደጋ ፣ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን) ቢሮ ቁፅሪ 7 ክትወስዱ ትኽእሉ፡፡

7. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/09/2018 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ እተዘይተረኺቦም እዉን ጨረታ ምኽፋት ኣይተኣጓጎልን፡፡

8. ተወዳደርቲ ሽም፣ኣድራሻ፣ሞባይል ቁፅሮምን ፊርምኦምን ብንፁር ክመልኡ ኣለዎም፡፡

9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእናይ ምስራዝ መሰሉ ዝታሓለወ እዩ፡፡ን

ተወሳኺ ሓበሬታ : ቢሮ ኢንዲስትሪ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 5ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 7(ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፣ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን) ብኣካል ብምቕራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0342400009/0914000896 ምሕታት ይከኣል።