ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፋላለያ ኣብያተ ፅሕፈታት ምም/ር ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ናይ ፅሬት ኣቁሑት : ናይ ኤለክትሮኒክስ ፈርንቸርን ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ ቀረባ ወርሒ ቫት ዲክላሪሽን ከቅርቡ ዝኽእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 50,000.00( ሓምሳ ሽሕ ብር)- ንፅሬት ኣቁሑት ብር 15.000/ዓሰርተ ሽሕብር-ንኤለክትሮኒክስ ብር 50.000/ሓሙሳ ሽሕ/-ንፈርንቸር አቕሑት ብር 50.000/ሓሙሳ ሽሕ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ዘጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኩተማመቀለ ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ ኮፒ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።

4. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 500 (ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።

5. ጨረታ ካብ ዕለት 5/9/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት21/9/2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ይኸፈት።ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 034 ይኽፈት።

7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉይግባእ ።ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።-

8.ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኸን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

9. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኸቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

10. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።

12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል