ማእኸላይ ቤት ፍርዲ መቐለ

ፅሪ 002/2018ዓ/ም

ዕለት 28/08/2018ዓ/ም

ምልክታ ከባቢያዊ ጨረታ

ከተማ መቐለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ኣድራሻ ክልል ትግራይ ዞባ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ስልኪ /0344405093፣ ንቤት ፍርድና ግልጋሎት ዝውዕል ሃላቒ ናይ ሕትመት መሳርሒ ንበጀት ዓመት 2018ዓ/ም በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ሕጋዉያን ነጋዶ ብምውድዳር ኣብ ጨረታ ኣሸንፍቲ ምስ ዝኾኑ ኣካላት ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሩ ዕደጋ ግልፂ ጨረታ ምድብ 001/002/2018 ሃለቒ ናይ መሳርሒ ሕትመት ከካይድ ስለ ዝደሊ እዞም ዝስዕቡ ሮቓሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንዉድድር ይዕድም፡፡

መምርሒ ተጫረቲ

1. በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም/ዎን/፣መለለይ ቑፅሪ ግብሪ ከፋሊ II ዘለዎ፣ተወሳኺ እሴት ታክስ

መቅረባይነት ዘለዎ ዝኾነን መረዳእታ ዘቕረቡን ክወዳደሩ ይኽእሉ፣

2. ርኸኸብ ንብረት ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ከተማ መቐለ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ይኸዉን፣

3. ኣብቲ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኾነ ተወዳዳሪ በቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ናይ ምቕራብ ዝቐረቡ ኣቑሑት ብሰብ ሞያ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ዝወስድ ኣፈቲሹ ኣረጋጊፁ ዘቕርብ(ዘረክብ)፣

4. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብዕለት 28 /08/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 07/09/2018 ንተኸታታሊ 10 መዓልቲ ኣብ ኣየር ይፀንሕ

5. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 07 /09/2018 ዓ/ም ስዓት 3 30 ንጉሆ

6. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 07/09/2018ዓ/ም ሰዓት 3 30ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 00ንጉሆ ይክፈት

7. ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ከተማ መቀለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ _ ቑፅሪ 206 ዘይምለስ ንሕትመት _ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ /ብር ጥራሕ እንዳኸፈሉን ሰነድ ጨረታ ምግዛእ ይኽእሉ፣

8. ተወዳደርቲ መኽበሪ ጨረታንሕትመት ብር=5,000.00(ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ጥራሕ/ ጨረታ ብባንኪዝተረጋገፀ CPO፣ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ቼክ፣ጥረ-ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ፣

9. ሰነድ ጨረታ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 28/08/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 07/09/2018 ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ከተማ መቀለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ክፍሊቁፅሪ 206 ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕኣታዊ ይግበር፣

10. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ንካልኦት ሰነዳት ብቛንቛ ትግርኛ ይኸዉን፣

11. ተወዳድርቲ ኣብ ቤት ፅሕፈትና መፂኦም ሳምፕል ሪኦም ሰሪሖም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

12. ቤት ፅሕፈትና ኣብ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ኣይተም 20% ናይ ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ መሰል ኣለዎ፣

13. ኣብ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኾኑ ተወዳደርቲ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ሕትመት ኣብ ውሽጢ 30 ተከታታሊ

መዓልቲ ኣብ ከተማ መቀለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ሰሪሖም ከረክቡ ዝኸእሉ፣

14. ተወዳደርቲ ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ መሰረት ብሕድ ሕድ ዘርፊ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ሳንዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም፣

15. ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝመሰሉ ሕልዊ እዪ፣

16. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344405093 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ምስ ሰላምታ

ማ/ቤት ፍርዲ ከተማ መቀለ