ዩንቨርስቲ ኮሎጅ ኒው ሚለንየም

ጨረታ ስራሕቲ ምርመራ ኦዲት /Investigative Audit/

ማሕበር ኣክሲዮን ኢንስቲትዩት ኒው ሚለንየም ኣብ ዓዲግራት ንዝርከብ መዋእለ ህፃናትን ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተወሰኽቲ ናይ ምግፋሕ ፕሮጀክታት ሰሪሑ እዮ። እዙይ ስራሕ ኣብ ክልተ ዙር ዝተሰርሐ ኮይኑ እቲ ናይ መጀመርታ ዙር ኣብ 2015/2016 ዓ/ም ዝተሰርሓ ኮይኑ ዋና ትኹረቱ ናይ ተምሃሮ መመገቢ ኣዳራሽ ሓደ ደብሪ ምስራሕ እዩ። እቲ ካልኣይ ዙር ድማ ኣብ 2016/2017 ዓ/ም ዝተከንበተ ኮይኑ እቶም ስራሕቲ ዘተኩርዎ ንግልጋሎት መምሃሪ ክፍሊ ዝውዕሉ ዝሓዘ ሓደ ደብሪ ምህዳምን ኣብ ምድሪ ድማ ተወሰኽቲ ክፍልታት ምስራሕን እዮም።

እቲ ማሕበር ናይ ክልቲኡ ዙር ስራሕቲ ብናይ ደገ ኣማኸርቲ ማሃንዲሳት ናይ ፐርፎርማንስ ኦዲት /Performance Audit ኣግቢሩ እዩ። እቲ ማሕበር ነዚ ሪፓርትን ካልኦት አድለይቲ ዝባሃሉ ሰነዳትን መይላታትን ተጠቒሙ ተወሰኽቲ ናይ ምርመራ /ኢንቨስትገቲቨ/ በዞም ዝስዕቡ መማአዘኒ ነጥብታት Terms of Reference/ መሰረት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፤

1. ኣብ ክልተ ዙራት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ወፃአታት ንምግማት ኣብ ሰራሕ ዝዋዓለ መገመቲ መጠን ወፃኢ /Bill of quantity/ ሓቃውነት ምርግጋፅ፤

2. ኣብ ክልተ ዙራት ዝተሰርሑ ስራሕቲ መጠኖም /quantity/ ኣመልኪቱ ምስቲ ፈለማ ዝተገመተ መጠን ወፃእን /Bill of quantity/ ምስ ብጭቡጥ ዝወፀ ወፃኢ

3. ኣብ ክልተ ዙራት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፅርየቶም /quality/ ኣመልኪቱ ምስቲ ዝወፀ

ወፃኢ ዝተመጣጠነ ምንባሩ ምርግጋፅ፤

4. ኣብቶም ክልተ ዙራት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምስቲ ሻቡ ዝነበረ ዋጋ ዕደጋ ማተሪያልን ጉልበትን ዝተመጣጠነ ምንባሩ ምርግጋፅ፤

5. ኣብቶም ክልተ ዙራት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝወፀ ወፃኢ

ብዘለዎም ሕጊታትን ደንብታትን ፋይናንስን ኮንስትራክሽንን መሰረት ዝተሰርሑ ምዃኖም ምርግጋፅ፤

6. ኣብ ክልቲኡ ዙራት ንግልጋሎት ዝዋዓሉ ናይ ኮንስትራክሽን እታዎታት ብኣግባቡ ብሰነድ ኣታውን ወፃእን ምዃኖም ምርግጋፅን ምስ ኣብ ሰራሕ ዝዋዓለ መገመቲ መጠን ወፃኢ /Bill of quantity/ ዝተዛመደ ምንባሩ ምርግጋዕ፤

7. ኣብ ክልቲኡ ዙራት ንግልጋሎት ዝዋዓሉ ናይ ኮንስትራክሽን እታዎታትን ጉልበትን ምስቲ ፈለማ ኣብ ሰራሕ ዝዋዓለ መገመቲ መጠን ወፃኢን /Bil of quantity/ ምስ ተሰሪሑ ዝተወደአ ህንፃን ክፍልታትን ዝመጣጠን ምንባሩ ምርግጋፅ፤

8. ኣብ ክልቲኡ ዙራት ኣታዊን ወፃኢን ዝኾኑ እታዎታት ምስ ናይ ትካል መገመቲ መጠን ወፃኢ /Bill of quantity/ ዝተዛመደ ምንባሩ ምርግጋፅ፤

9. ኣብ ክልቲኡ ዙራት ናይ ትካልናን ናይ በዓል ሞያን መገመቲ መጠን ወፃኢ /Bi of quantity/ ዝተዛመደ ምንባሩ ምርግጋፅ፤

10. ኣብ ክልቲኡ ዙራት ዝተሰርሐ መገመቲ መጠን ወፃኢ /Bill of quantity/ ምስ ኣብ ባይታ ዝተሰርሐ ዝተዛመደ ምንባሩ ምርግጋፅ፤

ስለዚ በቲ ሞያ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቓድን ናይ ስራሕ ልምድን ዘለኩም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ዝርዝር ሜላ ኣፈፃፅማ ሰራሕኹም፣ ዋጋን መፈፀሚ ትልምን/ናይ ጊዜ ሰሌዳ ብፅሑፍ በምቕራብ ክትወዳደሩ ማሕበር ኣክሲዮን ኢንስቲትዩት ኒው ሚለንየም ይዕድም።

ተጫረቲ ብሽምዒ ዝተዓሽገ ናይ ጨረታ ሰነድ ምስ ናይ ሰራሕ ፍቓድን ልምድን ተታሓሒዙ እዙይ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ማሕበር ኣክሲዮን ኢንስቲትዩት ኒው ሚለንየም ብኣካል ብምኻድ ወይ ድማ ብረጂስተርድ ፖስታ ከቐርቡ ይግባእ። እቲ ጨረታ ኣብ መበል 10 መዓልቲ ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ክኸፈት እዩ፡፡ እቲ ማሕበር ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኺ ሓበሬታ +251 914 300185 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል፡፡

ማሕበር ኣክሲዮን ኢንስቲትዩት ኒው ሚለንየም