ቢሮ ርክብ ዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ቢሮ ጉዳያት ኮሚንኬሽን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓም ንናይ ቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ምሕታም መቃልሕ ጋዜጣ ብጨረታ ከወዳድር ይደሊ

1 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን : ናይ መረዳእታ ተወሳኪ እሴት : መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ : ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ መቅረባይነት ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተቀመጠ ዝርዝር መዓቀኒታት ዘማልኡ

3 መከበሪ ጨረታ ናይ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ በምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ ዳይሪክቶሪት ዕድጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 8 ካብ 12/8/2018 ዓም ክስብ 26/8/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ግዜ መፂእኩም ምዕድጋን ናብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ምእታዉን ትክእሉ

5 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝከፈተሉን ዕለት 26/8/2018 ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት

6 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ከምኣድላይነቱ ነቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ኣብዚ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኮነ ተጫረቲ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ኣትሒዙን ዉዕሊዝኣስር

8 ሰዓራይ በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ፅሬቱ ብዝምልከቶም ኣካላት ምስተረጋገፀ ኣብቲ ዝድለየሉ እዋን ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና ነብረት ኣታዊ ይገብር

8 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 15 መዓለቲ ይከዉን

9ዝቀረባ ሰነድ ጨረታ ሐዶ ኣጅናል ኣብ ኩሉ ገፅ ናይ ትካል ማህተም ክዓርፎን ሐደ ኮፒን ዘቅርብ

10 ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ቤት ፅሕፈትና ዝርከበሉ ፊት ንፊት ኣጋኣዚ ባንኪ ጎኒ ዘየርዳኖስ ሆቴል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344409343 0914734003 0914766550