ቤት ፅሕፈት አጠቃቅማ ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ

ቤት ፅሕፈት አጠቃቅማ ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ካብ 21 ሚያዝያ ክሳብ 5 ጉንበት 2018 ዓም ኣብ ዘዉፅኦ ሊዝ ጨረታ መሬት ቁፅሪ 74 ንንግድን ንመንበርን ንሆቴልን ዝዉዕል ብጠቅላላ 153 ቦታታት አወዳዲሩ ብሊዝ ከመሓላልፍ ይደሊ

1 ንጨረታ ዝቀርቡ ዝርዝር ቦታታት ኣብ ክፍለ ከተማታት ከይዲ ስራሕ አጠቃቅማ ምሕደራ መሬት ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለን ከምእዉን ኣብ መርበብ ሐበሬታ ኣብ facebook page mekelle city communication affairs ከምእዉን ኣብ facebook dimtsiwyane ምርኣይ ይከኣል

2 ካብ 14/8/2018 ዓም ጀሚርኩም ናይ ተወዳደርቲ ጨረታ ናይ መወዳእታ ዉዕኢት ብምልክታ ጨረታ ወይድማ ኣብ መርበብር ሐበሬታ ምርኣይ ከምትክእሉ ንሕብር

3 እቲ ጨረታ 5/9/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 11:00 ተዓፅዩ ብፅባሒቱ 6/9/2018 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት አጠቃቅማ ምሕደራ መሬትን ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ብቀጥታ ብኮምፒተር ናይ ምንባብ ሰነ ስርዓት ይካየድ

4 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፍል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ