ን 2ይ ግዘ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ምሩፃት ዓሌት ኣላሕም ሆልስቴን ፍሪዥያን
ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝማሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ካብ ዘለወኦ ልዑል ምህርቲ ፀባ ዝህባ ሆልስቴን ፍርዥያን ዓሌት ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ብምኸንያት ፅበት ደንበ ከፍቲ ቀኒሱ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ እትደልዩ ኣካላት ዝስዕብ ረቛሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣ በዚ መሰረት
1. ተወዳደርቲ ንተጠቀምቲ ብጨረታ ዝሽየጣ ምሩፃት ክገዝእዋ/ወን ዝሓረይዋ/ወን ላሕሚ/ኣላሕም ዋጋ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትዉ ይግባእ፡፡
ኣላሕም ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ
2. ኣብ ሕድሕድ ላሕሚ ኣብ እዝነን መፍለይ ቁፅሪ ተጌሩለን ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዝደልይዋ ላሕሚ መፍለይ ቁፅሪ ዋጋ ብምቕማጥን ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡
3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 21/08/2018 - 06/09/2018 ዓ/ም፣ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፣
4. እቲ ጨረታ ዕለት 06/09/2018 ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ፤ሰዓት 4፡20 ኣብ ትካልና ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት፣
5. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 20,000.00 /ዕስራ ሽሕ/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ከትሕዙ ይኽእሉን ፣
6. ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 200.00/ክልተ ሚኢቲ / ብምኸፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 2 ክወስዱ ይኸእሉ ፣
7. ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝግለፀሉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ሒሳብ ከፊለ ላሕሙ/ኣላሓሙ እንተዘይወሲዱ ዘትሐዞ መኸበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልና ካዝና ኣታዊ ይግበር፡፡
8. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣
9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ። ንተወሰኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 09 14 73 15 92 ወይ 09 14 78 44 53 ምድዋል ይከኣል ::