ህንፀት ዎርክሾፕ ዕንፀይትን ሓፂንን መቐለ ቑፅሪ 2

ን3 ግዜ ዝወፀ ጨረታ

ዕለት 19/08/2018 ዓ.ም

ህንፀት ዎርክሾፕ ዕንፀይትን ሓፂንን መቐለ ቑፅሪ 2 ማሕበርና ካብ ሰነ 2017 ክሳብ ሰነ 2018 ዓ.ም ዘሎ ገንዘባዊ ምንቅስቓስ ሓደ ዓመት ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ኦዲተራት ኣወዳዲሩ ኦዲት ከስርሕ ስለዝደለ ቐፂሉ ዝቐርብ ረቑሓ እተማልኡ ሰብሞያ ክትወዳደሩ ይዕድም::

· ክማልኡ ዝግበኦም ቕድመ ኩነት

· ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ

· ኣፍቲ ሞያ እኹል ልምዲ ስራሕ ዘለዎ ምዃኑ መረዳእታ ዘቕርብ

· መመዘኒ ጨረታ ዘካትቶም ነጥብታት ቴክኒካልን(70%) ፋይናንሻልን(30%) ኮይኑ ቴክኒካል

➢ ሓፂርን ግልፅን ናይ ስራሕ ፕሮፖዛል ካብ ዘይበዝሕ/

➢ ስራሕ ልምዲ

➢ ቕድሚ ሕዚ ዝሰርሖም ተመሳሰልቲ ስራሕቲ መረዳእታ ዘቕርብ

· ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ- ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን

· ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት- ዕለት 23/08/2018 ቅድሚ ቐትሪ 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት::

· ጨረታ መኸፈቲ ዕለት በዓል እንተኾይኑ ቐፂሉ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይኸፈት

መዘኻኸሪ

➢ በዚ መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ/ቴክኒካል ፋይናንሻልን ነኒበይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተሓበረ ዕለትን ሰዓትን

➢ ቴክኒካል ልዕሊ 70% ዘምፀአ ናብ ፋይናንሻል ይሓልፍ ዝተሓተ ፋይናንስ ዘቅረበ ድማ ሰዓራይ ይኸውን

ኣድራሻ፤ ጥቓ ኣብርሃ ካስትል ሳሌም ጥላሁን ህንፃ ቢሮ ቑፅሪ 113፤ሞባይል +251956-749526