ምምሕዳር ከተማ ሽረ

ቁፅሪ 9111 /44/2018- ዕለት14/08/2018

ም ል ክ ታ ጨ ረ ታ

ሊዝ ጨረታ ቁፅሪ 04/2018 ምግዋሕ ይምልከት

ናይ ቤት ፅሕፈት ኣጠ/ምም/ርመ/ም/መ/ትሕዝቶ ካዳስተር ከይዲ ስራሕ ኣጠቃቅማን መሬት ምሕደራን ሽረ-እ/ሰላሴ

ቤት ፅሕፈት ኣጠ/ምም/ርመ/ም/መ/ትሕዝቶ ካዳስተር ከይዲ ስራሕ ኣጠቃቅማን መሬት ምሕደራን ኣብ ከተማና ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል መራታት ብሊዝ ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ:: በዚ መሰረት

ጨረታ ዘር--04--

ዓይነት ጨረታ -መደበኛ•

► ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 14/08/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 27/08/2018 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ከይዲ ስራሕ ኣጠቃቅማን መሬት ምሕደራን ከተማ ሽረ-እ/ስላሰ ብኣካል ብምቕራብ ዘይምለስ ብር 2500 /ክልተ ሽሕን ሓምሽተ ሚኢቲን / እናኸፈሉ ናይ ወረታ ሰነድ ክሳብ ሳንዱቕ ጨረታ ንክዕፆ ካብ ዝተቐመጠሉ ገደብ ግዘ ክሳብ ስዓት 9፡00 ኣብዘሎ እዋን ክገዝኡ/ኣ/ ዝኸኣሉ // እንትኸውን ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/08/2018 ዓ/ም ሰዓት 11:00 ኮይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 28/08/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ዕሕፈት ኣጠ/ምም/ርመ/ም/መ/ትሕዝቶ ካዳስተር ከይዲ ስራሕ ኣጠቃቅማን መሬት ምሕደራን ዝርከብ ኣዳራሽ ላይ ፎቅ ይኸፈት::

እቲ እትረትዎ ቦታ ክትሪኡ እትደልዩ ንዕለት 20/08/2018 ከምኡ እውን 26/08/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብምርካብ ክትሪኡ ትኸእሉ ምዃንኩም ነፍልጥ።

➢ እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኩን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ::

- ንተወሳኺ ሓበሬታ እንተደልዮም ኣብ ከይዲ ስራሕ ኣጠቃቅማን መሬት ምሕደራን ብኣካል ወይ ብቑፅሪ ስልኪ 034 444 22 75 ብምድዋል /ብምቕራብ/ ምጥያቕ እትኽእሉ/ላ ምዃንኩም/ክን/ ንሕብር::

ሓበሬታ 1-

- ሕድ ሕድ ተጫራቲ ኦርጅናል ሲፒኦን ዝተሓደሰ ናይ ነባርነት ኮፒ መታወቅያን(ፓስፖርት) መምልኢ ቀጥዒ ሰነድ(ጨረታ ዋጋን ሓሳብን መቅረቢ ሰነድ) ሰነድ ዝዓደግኩምሉ ደረሰኝ ብፖስታ የእቲኹም ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ክትእትዉ ንሕብር።

ናይ ጨረታ ሰነድ ቕጥዒ ክፍሊ ሓደ፡

ናይ ጨረታ መምርሒ

1. ዝኾነ ዓይነት ተራቲ ካብዚይ ብታሕቲ ብዝተቐመጠ መምርሒ ጨረታ መሰረት ክፍፅም ኣለዎ

1.1. ብዛዕባ ናይቲ ጨረታ ሰነድ ኣመላልኣን ኣመላልሳን

1.1.1. ኦርጅናልን ናይቲ ቤት ዕዮ ማህተም ዝዓረፎ ሰነድ ጥራሕ ተቐባልነት ይህልዎ። ናይቲ ቤት ዕዮ ክቢ ማህተም ዘይዓረፈ ኦርጅናል ዘይኮነ ናይ ጨረታ ሰነድ ተቐባልነት ኣይህልዎን

1.1.2. ሓደ ተጫራቲ ንሓደ ቦታ ካብ ሓደ ሰነድ ንላዕሊ ምግዛእ ኣይኽእልን፡

1.1.3. ንሓደ ቦታ ሰብኣይን ሰበይቲን(ሰብ ሓዳር) ነናቶም ሰነድ ገዚኦም ክጫረቱ ኣይክእሉን ።

1.1.4. ክልተን ካብ ክልተ ንላዕሊን (እኒ እልካ) ኮይኖም ንሓደ ቦታ ዝጫረቱ ናይ ዝተወደብሉ ማሕበር መመስረቲ ፅሑፍን መተሓዳደሪ ደንቢን ከተሓሕዙ ኣለዎም ካብዚ ወፃኢ ኣይክኣልን

1.1.5.ተጫራቲ ብጨረታ ዋጋ መእተዊን ሓሳብ መቕረቢን ዝተቐመጡ ብጥን ብግልፂ ክንበብ ብዝኽእል መልክዑ ከስፍር ኣለዎ፡

1.1.6. ብግልፂ ዘይንበብ ስርዝ ድልዝ ዘለዎም ሰነዳት ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበሩ

1.1.7. ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ዝጫረተሉ ናይ ቦታ ዋጋ' ብፊደልን ብኣሃዘን ክመልእ ኣለዎ። ኣብ መንጎ ናይ ፊደልን ናይ ኣሃዝን ኣፈላላይ እንተሃልዩ ብፊደል ዝተፅሓፈ ተቐባልነት ይህልዎ።

1.1.8. ካሊእ ተጫራቲ ብዝሃቦ ዋጋ ተላዒሉ ዋጋ ምሃብ ኣይካኣልን።

1.1.9. ሰነድ ዝዓደጉሉ ደረሰኝ ኣብ ዉሽጢ ፖስታ ክኣቱ ኣለዎ :: ኣብ 2 ን ልዕልኡን ዝጫረት ተጫራቲ ድማ ኮፒ ደረሰኝ የተሓሕዝ

1.1.10. ኣብ ክልተ ን ካብ ክልተ ንላዕሊን ቦታ ንዝጫረቱ ተጫረቲ ኣብ ናይ ሕድሕድ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ዝምላእ ደረጃ ቁፅሪ ሰነዱ(መበል ክንደይ ሰነድ ምካኑ ዝገልፅ ቁፅሪ) እንድሕር ተደጋግሙ ወይ ከዓ ነፃ ኮይኑ ወይ እዉን ብክፋል ተመልኡ :: ብሓፈሻ ጠቅላላ ዝገዝኦ በዝሒ ሰነድን ብተከታታሊ ደረጃ ቁፅሪ ሰነድ እንድሕር ዘይገልፅ(ዘይርኢ) ካ ጨረታ ወፃኢ ይኮዉን ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ሲፒኦ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኮዉን

1.1.11. ብሽም ድርጅት(ትካል) ንዝጫረቱ ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ (IN NO )ከተሓሕዙ ኣለዎም

1.1.12. ተጫራቲ ናይ ጨረታ ማኸበሪ ሲፒኦ ዝተጫረተሉ ቦታ ስፍሓት ብቲ ናይቲ ቦታ መበገሲ ዋጋ ብምብዛሕ ዝርከብ ውፅኢት ካብ 20% (ዕስራ ሚእታዊ) ክንእስ የብሉን

1.1.13. ኣብ ዓንቀፅ 1.1.12 ከም ዘለዎ ኮይኑ ሓደ ተጫራታይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ሰነድ ክገዝእ እንድሕር ደልዩ ኣብ ሕድሕድ ተወሳኪ ሰነድ ጨረታ 10% ሲፒኦ እናወሰከ ይገዝእ :ንልዕሊ 9 ሰነድ ንዝገዝእ ተጫራቲ ንሕድሕድ ተ ሰነድ 100% ሲፒኦ እንዳወሰካ ይገዝእ

1.1.14. ተጫራታይ ንሓደ ቦታ ካብ ዘድልዮ መጠን መክበሪ ጨረታ ሲፒኦ ንታሕቲ ዘቅረበ ይኩን ኣብ ሰነድ ጨረ ዝተዘርዘሩ ረቛሒ እንተይ ኣማልአ እንተተሪፉ ዘትሓዞ ሲፒኦ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኮዉን

15. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ሲፒኦ እንተስርሑ ኣብ ከተማና ኣብ ዘለዋ ፋይናንሳዊ ትካላት ከስርሕ ኣለዎ

1.16. ተጫረትቲ ሙሉእ ሽሞም ፊርመኦም ስልኪ ቑፅሮምን ኣድራሻኦምን ኣብ ኩሉ ገፅ ከስፍሩ ኣለዎም፡ ብጨረታ ዝሳተፍ ኣካል ድርጅት እንተኾይኑ ህጋዊ ዝኾነ ማህተም ኣብ ኩሎም ገፃት እቶም ሰነዳት ናይቲ ትካል ማህተም ክዓርፎ ኣለዎ፡፡

1.1.17. ተጫረቲ ናይ ዋጋን ሓሳብን መቕረቢ ሰነዳት ብኣግባቡ ብምምላእን ኣብ ልዕሊ ብሽምዒ ብዝተዓሽገ ኤንቨሎፕ ናይ ተጫራቲ ሽምን ናይ ቦታ ፍሉይ ኮድን ናይ ጨረታ ቑፅሪን ብግልፂ ምፅሓፍ ንዚ ተግባር ብዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ውሽጢ ብዝተቐመጠ ናይግዜ ገደብ ውሽጢ ከእትው ኣለዎም ናይ ጨረታ ሳፁን ምስተዓሸገ ዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ሰነ ተቀባልነት ኣይህልዎን።

1.1.18. ተጫረቲ ሰነዶም ኣብ ጨረታ ሳፁን ምስኣእተው ሰሪዞም ካሊእ ሰነድ ምእታው ኣይኸእሉን

1.1.19. ተጫረቲ መፍለይ ቁፅሪ ዘለዎ ዝተሓደሰ መታወቂያ ወይም ድማ ፓስፖርት ብዉክልና ንዝጫረቱ ድማ ሕጋዊ ዉክልና ምስ ዋጋን ሓሳብን መቕረቢ ሰነድ ክቐርብ ኣለዎ።

1.1.20. ተጫራቲ ናይ ጨረታ ማኽበሪ ሲፒኦ ዝተጫረተሉ ቦታ ስፍሓት ኣብቲ ቦታ መበገሲ ዋጋ ብምብዛሕ ዝርከብ ውፅኢ ካብ 20% (ዕስራ ሚእታዊ) ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ኣጠ/ምም/ርመ/ም/መ/ትሕዝቶ ካዳስተር ዝተመሰክረሉ ሰነድ ምስ ዋ. ሓሳብን መቕረቢ ሰነድ ክቐርብ ኣለዎ።

1.1.21. ዓይነት ግልጋሎት ሊዝ ዘመንን ክፍሊት መወድኢ ዓመትን

➢ ንመንበሪ ሊዝ ዘመን 99 ዓመት ክፍሊት መወድኢ ዘመን 50 ዓመት ይኮውን

➢ ንድርጅት በዓል ኮኮብ ሆቴል ሊዝ ዘመን 70 ዓመት ክፍሊት መወድኢ ዘመን 30 ዓመት ይኮው

1.2 ካብ ጨረታ ወፃኢ ዘግብሩ ፍፃመታት

1.2.1 ዝተጭበርበረ ወይ ዘይተማልአ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቕረበ ተጫራቲ

1.2.2 ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ እንተይኣማልእ እንተተሪፉ

1.2.3 ዝተጭበርበረ ወይ ካብ ዝድለ ብታሕቲ ናይ ጨረታ መረክቢ ሲፒኦ ዘቕረበ ተጫራቲ

1.2.4 ሓደ መክበሪ ጨረታ(ሓድ ዓይነት %) ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ጨረታ ቦታ ዘቅረበ

1.2.5 ዝተጭበርበረ ሕጋዊ ሰውነት መረከቢን ናይ ውክልና መረዳእታ ሰነድ ዘቐረበ ተጫራቲ

1.2.6 ብኣዋጅ መሰረት ኣብቲ ከተማ ብዝወፁ ጨረታታት ኣሸኒፉ ውዕሊ ከይፈፀመ ብምቕራዩ ዘለዎን ናይ ግዜ ገደቡ ዘየጠናቐቐ ተጫራቲ እንተኾይኑ

1.2.7 ተራቲ ቕድም ኢሉ ኣብዝወሰዶ መሬት ካብ 50% ብታሕቲ እንተየጠናቐቐን ክልተ ግዜ ናይ መሬት ናይ ምጥቃም መሰሉ(መሰል ሊዝ ምትሕልላፍ) ዘተሓላለፈ ምኻኑን ህንፀት ብዘይምጥ ዝተወሰነሉ ናይ ቕፅዓት ዘመን ዘይኣጠናቐቐ

1.2.8 ናይቲ ጨረታ ከይዲ ዝፃረሩ ወይ ዘዛብዑ ፍፃመታት ዝፈፀመ እንትኸውን

1.3 ናይ ጨረታ መወዳደሪ መስፈርትን ካልኦት መግለፂታትን

1.3.1 ተጫራቲ ሰዓሪ ዝኾነሉ ብዋጋን ብመወዳደሪ መዐቀንታት ብልጫ እንትህልዎ እዩ።

1.3.2 ናይ ጨረታ ዋጋ ሰመንያ ሚእታዊን ቅድመ ክፍሊት ዒስራ ሚእታዊ ዝሕዙ ይኾኑ።

1.3.3 ዋጋ ጨረታ ካብ ሚኢቲ ሰማንያ፣ ካልኦት መዐቀኒታት ዒስራ% ዝሕዙ ይኾኑ"

1.3.4 ክልተን ካብኡ ብላዕሊ ተጫረትቲን ኣብ ኩሎም መዐቀኒታት ማዕረ ዝወፁ እንተኾይኖም ብዕፃ ይፍለዩ። ኣብኩሎም መስፈርቲታት ማዕረ ወፂኦም ብሕታዊት ጓል ኣንስተይቲ ተወዳዳሪት እንተኾይና ቅድምያ ይወሃባ።

1.3.5 ሰዓሪ ተጫራቲ ሰዓራይነቱ ምስተገለፀሉ ውሽጢ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ካብ 20 ሚእታዊ ዘይንኣሰ ቅድመ ክፍሊት ወይ ብቴክኒክ ፕሮፖዛል ዝገለፆ ቅድሚት ክፍሊት ብምፍፃም ውዕሊ ይፍፅም፡፡ ብዝተጠቀሰ ዕለትን ብተወሳኺ መጠንቀቕታ ብዝወሃቦ ግዜ ዘይቀረበ ተጫራቲ ጨረትኡ ይስረዝ፡ ካልኣይ ዝወፀ ቐዳማይ ብዝወፀ ዋጋ ብምሃብ ንምውሳድ አንተደልዩ ጨረታ ዉፅኢት ካብ ዝልጠፍ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ፍቃደኛ ምካኑ እንድሕር ኣመልክቱ ጥራሕ ይወስዶ፡

1.3.6 ጨረታ ምስተኸፈተ ተጫረትቲ ብዘቕረብዎ ናይ ጨረታ ዋጋን ሓሳብን ምምሕያሽ ምግባርን ካብቲ ጨረታ ዓርሶም ምግላል ኣይኽእሉን፡፡