ምልክታ ፐርፎርማ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል GGP ብዝተረኸበ ሓገዝ ፥-
1. ናዊት ኣብያተ ት/ቲ (Furniture materials) ኣወዳዲሩ ክፅግን ስለዝደለየ፡
➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዊያን ዝኾንኩምን ተጫረቲ ሰነድ ካብ ዕለት 22 /04/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 27 /04/ 2026 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክትወስዱ ትኽእሉ።
➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ክኸዉን ኣለዎ ነባር ደረሰይ እንተኾይኑ ድማ ድጋፍ ደብዳቤ ካብ ዝምልከቶ ከምፅእ ይግደድ።