ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ መሸጣ ፒቪሲን ስቲል ኬዚንግን
ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ኣብ መቐለ ዋና ቢሮን ጋራዥን ኣብ መኽዝኑ ዝርከብ ኣብ ታሕቲ ኣብ ተ.ቁፅሪ 6 ዝተገለፀ ዓይነትን በዝሕን ዘለዎ PVC Casing 6" × 3mን Steel Casing 6" × 6m Blindን Screenን ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክሸይጥ ይደሊ። ስለዝኾነ ቐፂሎም ዝተዘርዘሩ መዐቀኒ ረቋሒታት ዘማልኡ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ኽሳተፉ ይዕድም።
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቫት ሰርቲፊኬት፣ ናይ ወርሒ የካቲት 2018 ዓ.ም ቫት ዲክለሬሽን /ቫት ሪፓርት/ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል፡፡
2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ንሎት-1 ማለትንPVC Casing Blindን Screenን 6"x3m length ብር 1,000,000.00 (ሓደ ሚልዮን ብር)ን ንሎት-2 Steel Casing Blindን Screenን 6"x6m |ength 100,000.00 (ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር) ብCPO ወይድማ ብኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ መልክዕ ነንበይኑ እንተነኣሰ ን30 መዓልቲ ቅቡል ኾይኑ ክፀንሕ ዝኽእል ባንክ ጋራንቲ ከትሕዙ ኣለዎም።
3. ተጫረቲ ናይቲ ንመሸጣ ዝቐረበ ንብረት ዝገዝእሉ ዋጋ ብግልፂ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ከቐምጥዎ ይግባእ።
4. ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ። ተዘይኾይኑ ቫት ዝሓወሰ ከምዝኾነ ተገይሩ ይውሰድ።
5. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 13/08/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 28/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ዘይምለስ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚኢቲ ብር) እናኸፈሉ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ብምውሳድ እቲ ንብረት'ውን ብኣካል ምርኣይ ይኽእሉ።
6. ናይቲ ዝሽየጥ ንብረት ዝርዝር ዓይነትን ዝተሓተ መበገሲ መሸጢ ነፀላ ዋጋን ፦
| ሎት ቁፅሪ | ተ ቁ | ዓይነት ኣቅሓ | መለለይ | መዐቀኒ | በዝሒ | ዝተሓተ መበገሲ መሸጢ ነፀላ ዋጋ ምስ 15% ቫት |
|---|---|---|---|---|---|---|
| ሎት -1 | 1 | PVC Casing Blind | 6"x3m lengt | ቑፅሪ | 5199 | 6,700.50 |
| 2 | PVC Casing Screen | 6"x3m |ength | ቑፅሪ | 2488 | 7,189.20 | |
| ሎት -2 | 1 | Steel Casing Blind | 6"x6m length | ቑፅሪ | 61 | 35,000.00 |
| 2 | Steel Casing Screen | 6"x6m length | ቑፅሪ | 44 | 40,000.00 |
7. ተጫረቲ ናይቲ ንብረት ዋጋ ብፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ተዓሽጉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ እዚ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/08/2018 ዓ/ም ንጎሆ ሰዓት 4፡00 ከእትው ይግባእ።
8. ሰዓራይ ዝፍለ ብድምር ጠቅላላ ዋጋ ሎት-1 ማለት'ውን PVC Casing Blindን Screenን 6"x3m length ኣብ ሓደ ሎት። ሎት-2 Steel Casing Blindን Screenን 6"x6m length ድማ ንበይኑ ይኸውን። ተጫራታይ ናይቲ ኣብቲ ጨረታ ዝወፀ መጠን PVC Casing Blindን Screenን 6"x3m |ength 50%ን ልዕሊኡን(ሓምሳ ሚኢታዊን ልዕሊኡን)ናይ ምዕዳግ(ምጭራት) ግዴታ ኣለዎ።ብተመሳሳሊ ሰዓራይ ናይቲ ኣብቲ ጨረታ ዝወፀ መጠን Steel Casing Blindን Screenን 6"x6m length ሙሉእ ብሙሉእ ማለት'ውን 100% ናይ ምጭራት(ምዕዳግ)ግዴታ ኣለዎ።ንPVC Casing Blindን Screenን 6"x3m length ቐዳማይ ዝወፀ ተጫራታይ በቲ ዘሸነፎ ዋጋ ሙሉእ ብሙሉእ (100%)እንተዘይወሲድዎ (እንተዘይዓዲግዎ) እቲ ዝተረፈ በዝሒ ኬዚንግ በቲ ዝተሸነፈ/ዝተሰዓረ ዋጋ እቶም ካልኦት ተጫረቲ በቢ ዝወፅዎ ደረጃ ቅድምያ እናተዋሃቦም ክወስድዎ(ክዕድግዎ) ይኽእሉ እዮም።
9. እቲ ጨረታ ዕለት 28/08/2018 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 4፡00 ናይ ንጎሆ ተዓሽጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ናይ ንጎሆ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዘለዉዎ ኣብ ዋና ቢሮ መአከቢ ኣዳራሽ ይኸፈት።ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
10. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ እቲ ንብረት ከምዝሰዓረ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ናብ ናይ ትካል ሒሳብ ቁፅሪ ኣታዊ ምስገበረ ናይ ባንክ ደረሰኝ ሒዙ ብምምፃእ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ፣ መፅዓንን ፃዕንትን እቲ ንብረት ካብ ዝርከበሉ ካብ መቐለ ዋና ቢሮን ጋራዥን ከልዕል ይግባእ። ሰዓራይ ኣብቲ ዝተብሃለ ግዜ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ክፍሊት ፈፂሙ እንተዘይኣልዒሉ ትካልና ናይቲ ሰዓራይ ትካል ንጨረታ መኽበሪ ብስፒኦ ወይ ብኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንክ ጋራንቲ ዘትሓዞ ገንዘብ ኣታዊ ተገይሩ እቲ ዝሰዓሮ ጨረታ ይስረዝ። ብተወሳኪ'ውን ሰዓራይ ክፍሊት ፈፂሙ እቲ ንብረት ኣብቲ ዝተቐመጠ ግዜ እንተዘይወሲዱ/እንተዘይኣልዒሉ ብናይ ትካልና ኣሰራርሓ መሰረት ናይ መኸዝን ክራይን ካልኦት ወፃእታትን ተወሳኺ ክፍሊት ብምፍፃም ንብረቱ ይወስድ።
11. በዝሒ ናይቲ ንጨረታ ዝቐረበ ንብረት ካብቲ ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ በዝሒ ክውስኽን ክቕንስን ይኽእል እዩ። ተጫራታይ እቲ በዝሒ እንተኒኡሱን እንተበዚሑን በቲ ዝሰዓሮ ዋጋ ናይ ምውሳድ ግዴታ ኣለዎ።
12. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።
13. ተጫረቲ ንዝደለይዎ ተወሳኺ መብርሂ ብቑፅሪ ስልኪ 0342-400316 ምሕታት ይኽእሉ እዮም።