ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ

ምልክታ ፕሪፎርማ/ shoping / ጨረታ

ቁፅሪ ዕ/037/ም/ጨ/2018

ዕለት 15/08/2018ዓ/ም

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ካብ ዋን ዋሽ ፕሮግራም 2 ምዕራፍ ዝተረከበ በጀት ንቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ንስላፕ መስርሒ ግልጋሎት ዝውዕል ኢንዳስተርያል ማተርያል ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ንክትጫረቱ ንዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት

1. ተጫረቲ ናይ 2018 ዓ/ም ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬትን ቲን ናምበርን ዘለኩም

2. ቫት ምዝጉባት ዝኮኑ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ዲክለር ዘተሓሐዘ

3. ኣብ ሓድሕድ ንበረት 20% ክውስክ ወይ ክቅንስ ይክእል

4. ተጫረቲ ናይ ባዕሉ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ክኮን ይግባእ

5. ተጫረቲ ንብረት ዝቀርበሉ ሰዓርቲ ምካንኩም ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልቲ ይከውን

6. ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ሽሞም፣ ፊርሞኦምን ማህተምን ክዓርፎ ይግባእ

7. ጨረታ ብዝተፈላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር

8. ሰዓራይ ምስ ኣሸነፈ ውዕሊ ክኣስር ዝክእልን ኣብ ውሽጢ 14 መዓልቲ ንበረት ኣምፂኡ ናብ ጣብያ ማእከል ፈ/ወይኒ ጥዕና ጣብያ ዘረክብ ።

9. ኣሸናፊ ብናይ ባዕሉ መፅዓንን መራገፍን ናብ ጣብያ ማእከል ፈ/ወይኒ ኣምፂኡ ዘረክብ

10. ሰነድ ካብ 15/08/2018ዓ/ም-22/08/2018 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ከይዲ ስራሕ ዕ/ን/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 4 ምውሳድ ይክእሉ

11. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 22/08/2018 ዓ.ም ኮይኑ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተዓሸጉ 43:0 ይክፈት

12. መክበሪ ጨረታ ብር 6000 / ሽዱሽተሽሕ ብር / ከትሕዝ ዝክእል

13. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡