ናይ ጨረታ ምልክታ
ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ንግዝያዊ ምምሕዳር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ተጫረቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘኒ ረቋሒታት ብምምላእ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ተጫረቲ
1.1 ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ
1.2 ተወሳኺ እሴት ታሰክስ (VAT) ምምዝጋቦም ዘረጋግፅ መረዳእታ
1.3 ካብ ናይ ለካቲት 2018 ዓ/ም ጀምሩ ወርሓዊ ድክለራስዮን ዘርኢ መረጋገፂ
1.4 ናይ ግብሪ ክፋሊ መለለዩ ቑፅሪT/
1.5 ኣብ ናይ መንግስቲ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ንምዃኖም ዘረጋግፅ ወረቐት ምስክር ከቕርቡ ይግባእ።
2. ተጫረቲ ዘይምለስ 150.00 ብር /ሓደ ሚኢት ሃምሳን ብር/ ሰነድ ካብ ሚያዝያ 14/8/2018ዓ/ም ጀሚሮም ካብ ኤጀንሲና ቢሮ ቁፅሪ 22 ምርካብ ይኽእሉ፡፡
3. 3. ተጫረቲ ናይ ውሕስና ናይ ኤሌክትሮኒክስ ብር 4000 / ኣርባዕተ ሽሕ ብር / ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ብሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
4. እቲ ጨረታ ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ሚያዝያ 14/2018 ዓ/ም ክሳብ ሚያዝያ 28 /2018 ዓ/ም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዕለት 28/8/2018 ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ይኽፈት ።
5. ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
6. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልክታት ቁፅሪ 0344418512/ሞባይል0914778288/ 0953023396 ወይድማ ብኣካል ብ ምቕራብ ምሕታት ይከኣል፡፡
ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ
ኣድራሻ-ቀበሌ16 ደደቢት ማይከሮ ፋይናንስ ጨንፈር ሃፀይ ዮወሃንስ ጥቃ /ብድሕሪ ሚልካና ካፌ