ማእኸላይ ቤት ፍርዲ መቐለ

መ/ቁ 35180

ዕለት 26/06/2018 ዓም

ምልክታ ጨረታ

ኣፈ/ከሳሲ – ኣይተ ማዓሾ ግደይ ገብረዋህድ

ኣፈ}ተኸሳሲ - ሻምበል ፍረወይኒ ኣርኣያ ደስታ

መንጎ ብዘሎ ናይ ኣፈፃፀም ከትዕ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሰሜን ጣብያ ኢንዱስትሪ ዝርከብ ብሽም ኣፈ}ተኸሳሲት ሻምበል ፍረወይኒ ኣርኣያ ደስታ ተመዝጊቡ ዝፍለጥ 140 ሜትር ካሬ ስፍሓት ዘለዎ መዋሰኒኡ ብምብራቕ - LC 16121፣ ብምዕራብ - መንገዲ፣ ብሰሜን - LC 16፣ ብደቡብ - LC 16109 ዘዋስኖ ገዛን ቦታን ብመበገሲ ዋጋ 2,963,469.24 (ክልተ ሚልዮንን ትሸዓተ ሚኢትን ሱሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢትን ሱሳን ትሸዓተን 24/00 ብር) ብጨረታ ንክሽየጥ ከምዝወፀን ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብቲ ንጨረታ ዝወፀ ገዛ ኣብ ባዕሉ ኮይኑ ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት ድማ ዕለት 19/08/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንግሆ ተኸፊቱ ሰዓት 6:oዐ ናይ ቀትሪ ዝዕፆ ይኸውን። ጨረታ ሰዓራይ ናይቲ ብጨረታ ዘሸነፈሉ ጠቕላላ ዋጋ 25% ኣብቲ ዕለት 19/08/2018 ዓ/ም ኣታዊ ይገብር እቲ ዝተረፈ መጠን ገንዘብ ድማ ካብ ዕለት 19/08/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ዝቑፀር ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ጠቕሊሉ ኣታዊ ዝገብር ይኸውን። ናይ ጨረታ ውፅኢት ድማ ዕለት 19/08/2018 ዓ/ም ናብ ዞባ መቐለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ንክቐርብ ክብል ዞባ መቐለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ።