1 መክበሪ ጨረታ 5000 ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈትና አስሪሑ ቅድሚ ጨረታ ምከፋቱ ከትሕዝ ዝክእል
2 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ኣታዊ ዝገበረ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ናይ ምልዓል ግዴታ አለዎ
3 ኣብቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ እንተዘይኣልዒሉ ግና ብመሰረት መምርሒ ንብረተ ምምሕዳር እቲ ዝተትሓዘ መትሓዚ ጨረታ መከብሪ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ዝከዉን ምካኑ ክፈልጥ ይግባእ
4 እዚ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ክግዛእ ዝከኣል ካብ ዕለት 7/8/2018 ዓም ካሰብ ዕለት 21/8/2018 ዓም ክሳብ ሰዓት 11:00 ጥራሕ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ስራሕ ትልምን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን አብ ስራሕ ሰዓት 200 ቅርሺ ጥራሕ እናከፈሉ ምዉሳድ ትክእሉ ምኮንክም ነፍልጥ
5 እቲ ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እቲ ንብረት ንዕለት 20/8/2018 ዓም ዕለት 21/8/2018 ዓም ብኣካል መፂእኩም ክትሪእዎ ትክእሉ
6 እዚ ጨረታ ዕለት 22/8/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ይክፈት
7 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሽምን ፊርማን ክትገብርሉ ይግባእ
8 ተጫራታይ መለለይ መንነት ዋና ቅዳሕን ከቅርብ አለዎ
9 እቲ ንብረት ኣብ እዋን ቆፀራ ክዉስክን ክቅንስን ዝክእል ምካኑ ኣቀዲምኩም ክትፈልጡ ይግባእ
10 ብኪሎ ንዝሽወጥ ንብረት አሸናፊ ተጫራቲ ናይ ባዕሉ ሚዛን ምቀራብ ግዴታ ከምዝለዎ አቀዲሙ ክፈልጥ ይግባእ
11 ሕዉስዋስ ጥቅላል ቴንዲኖ ጥቅላላ ሐደ ዓይነት ንብረት ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ ዋፃኢ እቲ ጥቅላል ቴንዲኖ አስተካኪሉ ብዘቅርቦ ሚዛን መሰረት ኪሎ እናተመዘነ ክዉሰድ ግዴታ አለዎ
12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693