ቁፅሪ ፋ/ም/ሃ/20/ግ-ጨ/01
ዕለት 07/08/2018 ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 08/2018 ዓ/ም
ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ካብ CRGE በጀት ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት /ጎማ/ ንምግዛእ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ
1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣ ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣
2. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ / VAT ዝተመዝገበ፣ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ የካቲት/2018 ዓ.ም VAT ድክላሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣
3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣
4. ሰዓራይ ዝኾኑ ተጫረቲ 3% withholding tux እና Vat በቲ መምርሒ መሰረት ብዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ተቆሪፁ ዝተርፍ ምካኑ፣
5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት /ጎማ/ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ እስፔስፍኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝኽእል ፣
6. ተጫራቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርብ ዝኽእል፣
7. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣
8. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 200.00/ ክልተ ሚዒቲ ቅርሺ ጥራሕ/ ብባንኪ ሒሳብ ቑፅሪ 1000539031663 ብቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ሽም ኣታዊ ብምግባር ካብ ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 /2-01 ካብ 07/08/2018 ዓ/ም ክሳብ 21/08/2018 ዓ/ም ሰዓት 10፡30 ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ግዚኡ ክወዳደር ይክእል፣
9. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሰነድ ጨረታ ብር 10,000.00/ ዓሰርተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን /Bureau of finance & Resource Coordination/ ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣
10. እቲ ጨረታ ዕለት 22/08/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት፡፡
11. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
12. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክውስክ/ ይክእል እዩ።
13. ሰዓራይ እቲ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት /ጎማ/ ድማ ብበዓል ሙያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።
14. ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ 0914775963 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ።