ጨረታ ምልክታ
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ማረት/ እዞም ዝስዕቡ ናይ 45 መዓልቲ ኣባፅሕ ደራሁን ቀለብን ናብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ንምቅራብን ምጉዓዝን (45 days Chickers and Concentrated Feed With Transportatio cost to Different Woreda s of Tigray ) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡ ስለዚ ክትጫረቱ
እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀጺሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብሮ፡
1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬት፣ ቲን ቄዕሪን፣ ንግዲ ዘርሬ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ክተቕርቡ ትክእሉ ሓዱሽ ቅብሊት ብሚኒስትሪ እቶት ፍቃድ ዝተሓተመ ዘለኩምን ፡
3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም፡፡
4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 07/08/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 20/08/2018 ዓ.ም አዮ ፡፡ እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/08/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5:00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን ፡፡ ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኽእሉ፡፡
5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 20/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 9:00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።
6. አቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡
7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።
8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣልን ፡፡
9. እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል።
10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ አማራ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡