ፍረ ስዉኣት ኢንዱስተሪ ሓ/ዝተ/ዉ/ማ

ፋብሪካ መፃረዪ እሹግ ማይ ናይስ ንምሻጥ ዝወፀ ምልከታ ጨረታ

ትካልና ፍረ ስዉኣት ስራሕቲ ንግዲ ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ኣብ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ጣብያ ኣግበ ዝርከብ ኣብ 5.300 ሜ.ካ ዝዓረፈ መፃረዩ ናይስ ፋብሪካ ዕሹግ ማይ ነቲ ፋብሪካ ዝምግብ ዝፃረ ማይ ተመራፅን ንጥዕና ዝስማዕማዕን ተፈጥራኣዊ ፍልፍል ማይ ዘለዎ ብዘለዎ ኩነታት ብጨረታ ኣዋዳዲሩ ከሸይጥ ይደሊ። በዚ መሰረት ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት እተማልኡን ብቑዓት ተጫረቲ ንኽትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተጫራታይ መኽበሪ ጨረታ ብር 100,000.00 (ብር ሓዳ ሚኢቲ ሽሕ) ብሽም ፍረ-ስዉኣት ስራሕቲ ንግዲ ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ዝተዳለወ CPO ከትሕዙ ይግባእ፣

2. ተጫራቲ እቲ ፋብሪካ ብኽፋል ምሻጥ ዘይካኣል ምዃኑ ፈሊጦም ጠቕላላ ዝገዝእሉ ዋጋ ከመልኡ ይግባእ፣

3. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ።እንተዘይ ኮይኑ እቲ ዝቐረበ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ክምዝቐረበ ተገይሩ ይወሰድ።

4. ተጫረቲ ካብ ዕለት 29/7/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 12/08/2018 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 1000.00 እናኸፈልኩም ካብ ትካልና ዋና ቤት ፅ/ት ካብ ዝርከበሉ ይሓ ሲቲ ሰንተር ቁፅሪ 2ተ 7ይ ደብሪ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኹም ጨረታ ሰነድ ክትዕድጉ ትኽእሉ።

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብፖሰታ ዝተዓሸገ ናይ ትካሎም ማሕተም ዝዓረፎ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 29/7/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 13/8/2018 ሰዓት 3:00 ንጎሆ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ።

6. ጨረታ ዕለት 13/8/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ንሱ ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት።ኮይኑ ግን ጨረታ ሰነድን ጨረታ መኽበሪ CPOን እንተተማሊኡ ተጫረቲ እንተዘይቀረቡ እውን ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይዓግትን፡፡

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ብጨረታ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝፈለጥሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5* ማዓልቲ ብጨረታ ካብ ዘሸነፍሉ ጠ/ዋጋ 50% /ፍርቁ ከፊሎም ውዕል እንተዘይኣሲሮም ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዝዎ CPO ብር 100,000.00 ናብ ትካልና ኣታዊ ተገይሩ ናብቲ ቀፂሉ ዝሰዓረ ተጫራታይ ወይ እቲ ጨረታ ተሰሪዙ ካሊእ ኣመራፂ ክንወስድ ንኽእል ኢና።

8. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ።

ኣድራሻና ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሓወልቲ ከባቢ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ኣብ ጎኒ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ህንፃ የሓ ሲቲ ሰንተር ቁፅሪ 2ተ 7ይ ደብሪ ስልኪ +2510914729393 /+25091478843/ 0930001426/0914728853/0914729393