ህንፀት ዎርክሾፕ ዕንፀይትን ሓፂንን መቐለ ቑፅሪ 2

ጨረታ

ማሕበርና ካብ ሰነ 2017 ክሳብ ሰነ 2018 ዓ.ም ዘሎ ገንዘባዊ ምንቅስቓስ ሓደ ዓመት ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ኦዲተራት ኣወዳዲሩ ኦዲት ከስርሕ ስለዝደሊ ቐፂሉ ዝቐርብ ረቑሓ እተማልኡ ሰብሞያ ክትወዳደሩ ይዕድም::

ክማልኡ ዝግበኦም ቕድመ ኩነት

• ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ

• ኣፍቲ ሞያ እኹል ልምዲ ስራሕ ዘለዎ ምዃኑ መረዳእታ ዘቕርብ መመዘኒ ጨረታ ዘካትቶም ነጥብታት ቴክኒካልን(60%) ፋይናንሻልን(40%) ኮይኑ ቴክኒካል

➢ ሓፂርን ግልፅን ናይ ስራሕ ፕሮፖዛል/ካብ 3 ገፅ ዘይበዝሕ/

➢ ስራሕ ልምዲ

ቕድሚ ሕዚ ዝሰርሖም ተመሳሰልቲ ስራሕቲ መረዳእታ ዘቕርብ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሎ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን

ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት- ዕለት 28/07/2018 ቅድሚ ቐትሪ 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት::

ጨረታ መኽፈቲ ዕለት በዓል እንተኾይኑ ቐፂሉ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይኸፈት

በዚ መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ቴክኒካል ፋይናንሻልን ነኒበይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተሓበረ ዕለትን ሰዓትን ክርከብ ይግባእ::

ኣድራሻ፤ ጥቓ ኣብርሃ ካስትል ሳሌም ጥላሁን ህንፃ ቢሮ ቑፅሪ 1131ሞባይል +251956-749526