ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ቤት ትልምን ፋይናንስን
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ቤት ፅሕፈት ትራንስፖርትን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ስለዝደለየ፣ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ ወርሒ ቫት ሪፖርት፣ መፍለይ ቑፅሪ (TIN) ከምኡ እውን ናይ መቕረባይነት መረዳእታ ዘለዎም ተወዳደርቲ ይዕድም።
* ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ብር ብምኽፋል ካብ ዕለት 25/06/2018 ዓ/ም ክሳብ 09/07/2018 ዓ/ም ምግዛእ ዝከኣል ኮይኑ፣ መኽበሪ ጨረታ (CPO) ብር 20,000 ብባንኪ ዝተረጋገፀ ምትሓዝ የድሊ።
* ጨረታ ብዕለት 09/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ፣ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ንወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 14 ይኽፈት።
* ዝሰዓረ ተወዳዳሪ ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ዝተሓተተ ኦርጅናል ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ኣታዊ ክገብር ይrequired።

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

_ክ/ከ/ቀ/ወ/ት/ፋ/18

ዕለት 06 2018ዓ/ም

ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ክ/ከ/ቀ/ወያነ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ንናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቁሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

➢ ዓይነት ጨረታ

ሀ. ክ/ከ/ቀ/ወ/ት/ፋ/ ኣቀ/ጨ/መ/ ቁፅሪ ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቁሑ

በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እተማልእዎ ሮቑሓ

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ሻት ተመዝገብቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት ፣መፍለይ ቑፅሪ/TI/፣ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ /መቅረባይነት/ከቅርቡ ዝክእሉ

2. መኽበሪ ጨረታ

➢ ብር 20,000 ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ C...○ ከትሕዙ ዝኽእሉ

3. ዋጋ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 200.00/ ክለተ ምኢት ብር/ ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ክ/ከ/ቀ/ወያነ ኸይዲ ስራሕ ዕደጋ፣ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 14 ካብ ዕለት 25/06/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 09/07/2018 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ጊዜ መፂኹም ምግዛእን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክእሉ፣

4. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኸፈተሉን ዕለት-

 4.1. ዕለት 09/07/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት፣

5. ቢሮና ዝዕድጎም ኣቑሑት ከም ኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳኽ ወይም ናይ ምቕናስ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣

6. ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ

ንብረት ክረክብ ዝኽእል፣

7. ስዓራይ ንዘሸነፎም ኣቑሑት ብቲ ዝወፀ ስፐሲፊክሽን መሰረት ኦርጅናል አቁሑት ምካኖም ብዝምከቶም ኣካላት ምስተረጋገፁ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና ኣታዊ ይገብር፣

9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣

10. ንዝበለፀ ሓበሬታ፡- ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ከባቢ ጅቡሩኽ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 14 እዩ ንተወሳኽ ሓበሬታ

ብስልኪ ቁፅሪ 0937023598/0983526227/0966742380 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ይካኣል