1 ናይ 2012ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ ምቅራብ
2 ዝተመዝገብሉ መለለይ ካርዲ ምቅራብ
3 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ምስክር ወረቀት ተቅርቡ
4 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2012ዓ/ም ዲክለሬሽን ዝኸፈልሉ ተቅርቡ
5 መቅረባይ ምስክር ወረቀት ተቅርቡ
6 ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ቫት ሓዊሱ ክምለእ ኣለዎ።ቫት እንተዘይመሊኦም ቫት ከምዝሓወስሉ ተገይሩ ይውሰድ፤
7 ተጫረቲ ብክልተ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኦርጂናል ንበይኑ ኮፒ ንበይኑ ዓሺግኩም ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፁን የእትው።
8 ጨረታ መኸበሪ ን ሎት 1 3000 ሎት 2 3000 ንሎት3 1000 ንሎት 4 300 ንሎት5 1000 ንሎት6 1000 ንሎት 7 1000 ንሎት 8 3000ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ዘትሕዘ፤
9 እቲ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ክሳብ ዕለት 08/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ሰዓት ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ።
10 ዝተዳለወ ጨረታ ኩሉ ሎት ዕለት 15/04/2012 ክሳብ ሰዓት 8:00ይዕሸግ
11 ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸውን።ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪል ብዘይምህላው ምኽፋት ጨረታ ኣይተኣጓገልን።
12 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ መባእተዊ ሆስፒታል ሀ/ሰላም ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር ኮይኑ ንፅሕፈት መሳርሒን ሕትመትን ዕለት 15/04/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ይክፈት።
13 ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፎም ኣቅሑት መጓዓዓዚ ኮነ መፅዓኒ መራገፍን ወፃኢ ብናይ ባዕሉ ይሽፈን። ናብ ሆስፒታል ሃ/ሰላም የረክብ።
14 ተጫራታይ እቲ ጨረታ ኣሸኒፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 10 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረት ናብ ሆስፒታል ሃ/ሰላም የረክብ።
15 ተጫራታይ ብውዕሉ መሰረት ብእዋኑ ኣቅሑ ንዘይኣቅረበ በቲ ናይ ጨረታ መምርሒ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቅፃዕ።
16 ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ ኣብቲ ዝወሰዶ ናይቲ ትካል ዝተዳለወ ባዶ ሰነድ ጨረታ ብትኽክል ኣቅሚጡ ክመልእ ኣለዎ።ካብኡ ወፃኢ ብካልእ ሰነድ ዘቅርብ ተቐባልነት የብሉን።
17 ካብ ዝተቀመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ኣይፍቀድን።
18 ኣብ ዘቅረቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ስም ፊርማ ኣድራሻን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ናይቲ መቅረባይ ድርጅት ብትኽክል ከቀምጥ ኣለዎ።
19 እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0343-390470 ምድዋል ይከኣል።
Backs