ስለዚ ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቐሰ ሞዴል/ Specification/ መሰረት ብምግባር ንክትሳተፉ ይዕድም
- ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ብናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ደረጃ 6 ን ልዕሊኡን ዘለዎ ኮይኑ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ስፐስፊኬሽን ብድምር ኩዒቱ ክነድቅ ዝክእልን በቲ ዝተመልአ ዋጋ ድማ አብ ተን ዝተጠቀሳ ጣብያታት ከስርሕ ዝክእል
- ባዕሉ ተጫራታይ አብ ዝወፀ እስፐስፊኬሽን ምዉሳኽ ምቅናስ ምስራዝ ኣይካኣልን
- እዚ ግለፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብዘለዎ ይኽፈት በቲ ዝተባሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኺቡ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዘይለዉሉ ዝኽፈት ምኻኑ::
- ንሐደ ደኩመንተ ዘይምለሰ ብር 100 ሐደ ምኢቲ ከፊሉ እቲጨረታሰነድካብ ቤ/ ፅሕፈትናእቶት ኤጀንሲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ክፍሊት ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ እቲ ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 20 /03 /2008 ዓ/ም ክሳብ 08 /04/ 2008 ዓ/ም ኮይኑ ዋንኡን ኮፒኡነ ብሰምዒ ወይ ዝጠንከረ መጣበቂ ተዓሺጉ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ክልተ ኮፒ ሓደ ኦርጅናል ብምምፃእ ነዚተባሂሉ ዝተዳለወ ናይጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል
- ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 08 /04/ 2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኮይኑ በዚ ዕለትሰዓት 8:45 ናይ ንጎሆ ይኽፈት መክፈቲ ቦታኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን::
- ተጫረትቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር 25000/ ዒስራን ሐሙሽተን ሽሕ ብር/ ብ CPO ወይ ብብር ከትሕዝ ዝክእል ::
- እቲ ግለፂ ጨረታ ናይ በዓለ ዋና ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ናይ መሽነሪ በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ዉክልና ክራይ መረዳእታ ዘለዎ
- ነዚ ዘድሊ መሽነሪ ዝኮነ ይኹን ወፃኢታት መጎዓዓዚ ማለት መምፅእን መምለስን ከምኡዉን ነዳዲ ኩሉ ባዕሉክሽፍን ዝኽእል::
- ኣብ ስራሕ እዋን ንዝገጥም ብልሽት ባዕሉ ክፅግን ዝኽእል::
- እዚ ግልፂ ጨረታ ቤ/ፅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወእዩ
- እዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ከም ሕጋዊ ዉዕሊ የገልግል
- ናይ 2008 ዓ/ም ሙሉእ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰን
- ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቁፅሪ /ቲንካርድ / ዘለዎን ናይ መቅረባይነት መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእልን ቫተ ዝተመዝገበን እዋናዊ ዲክለረሽን መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእል::
ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁ 0344460052 / 0344460116 / 0914687716
Backs