ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት
- ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩም
- ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን
- መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ
- ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
- መቅረባይነት ዝተመዝገበኩምን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
- መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ንኮምፒተር፡ ላፕቶፕ ፡ኤለክትሮኒክስ፡ ተዛመድቲ ኣቁሑት 20,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
- ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስረሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 3 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
- እቲ ጨረታ ካብ 15 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ ን 15ተ መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን 30 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
- ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ብዝተዉሃቦ መዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ
- ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰዱ
- ተጫራታይ ብመዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ መቅረባይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለወ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር
- መቅረባይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ኣታዊ ዝገብርን ዉሕስና ንዘድልዮም ኣቁሑት ድማ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል
- ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
- ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344400451 /0348409782 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
Backs