ስለዚ ብቢዝምልከተኩም ዘርፊ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሓ አማልእኩም ክትወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም:
- ናይ 2007ን 2008 ዓም በቢዘርፉ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ(Tin No) ዝሓዝኩምን
- ቫት ማለት ዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ሰርትፊኬትን
- ናይ ወርሒ ሓምለ 2007 ዓም ዲክሌር ዝተገበረሉ መረዳእታን ክተቕርቡ ትኽእሉ::
- ኣብ መንግሰቲ ንክትጫረቱ ዝተሐደሰ ናይ መቕረበይነት ሰርትፊኬት መረዳእታ ዝሐዝኩም::
- ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ብደብዳቤ ተገሊፅለኩም ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10ተ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት ብበዓል ሞያ ኣፈቲሹ ናብ ትካልና ኣታዊ ክገብር ዝክእል::
- ተጫረቲ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ሐደ ኦርጅናል ሐደ ኮፒ መነፃፀሪ ዝኸዉን ብሽምዒ ዝብተኣሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ አብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ አስገደም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዲቅ ክተእትዉ ከምትክእሉ::
- ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 /ሳላሳ ብር / ንሕድሕድ ሎታ በቢዝምልከተኩም ዘርፊ እንኸፈልኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣስገዶም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 10 /03/ 2008 ዓ/ም ክሳብ 24/02/ 2008 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::
- እቲ ጨረታ ዕለት 24/03/ 2008 ዓ/ም ልክዕ 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ /ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይኽፈት::
- ተጫረቲ በቢ ዝምልከተኩም ዘርፊ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ብር 3000.00 / ሰለስተ ሽሕ ብር / ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ::
- ትካልና መጠን ዝግዛእ ንብረት 20 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ዝኽእል ምኮኑ::
- ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347730211 ደዊልኩም ሕተቱ::
Backs