ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጉለመከዳ ኣብ ወረዱኡ ንዝርከባ ዝተፈላለየ ቤት ፅሕፈታት ንበጀት ዓመት 2012 ንዝተፈላየ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑት ፣ ናይ ፅሬት መሳርሒ ኣቁሑት ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ፡ ናይ ቢሮ ኣቁሑት ፈርኒቸር፡ ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቁሑት ፣ ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑት ፣ ናይ ንህቢ ዘመናዊ ቆፎ ኮምኡዉ ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት ግልጋሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ ተጫረቲ ሽም፣ ፌርማ ፣ ኣድራሻ ፣ ማህተም ክግበረሉ ኣለዎ

2 ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፣ ናይ ቢሮ ኣቑሑት ፣ ናይ መኻይን መለዋወጢ ኣቐሑት ፣ ናየ ሞተር ሳይክላት መለዋወጢ ኣቐሑት ፣ ንናይ ንህቢ ዘመናዊ ቆፎን ናይ ሕትመት ግልጋሎት ናይ 2011/2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይቲ ዓዉደ ስራሕ ንግዲ ፍቓድ ፣ ቲን ናምበር፣ መቕረባይነት ሰርተፊኬት፣ ቫት ዝተመዝገበሉ ሰርተፊኬት ፣ ቫት ዝተመዝገበሉ ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ ከምኡ ድማ ንናይ ፅሬት መሳርሒ ኣቁሑት መቕረብቲ ናይ 2011/2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይቲ ዓዉደ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ ቲን ናምበር መቐረባይነት፣ ዝተገናዘበ መረዳአታ ኮፒ ብምቅራብ ክትወዳደሩ ትክእሉ

 3  በዚ መሰረትዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትንምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ብር 100 ብምክፋል ምዉሳድ እትክእሉ ምኻንኩም

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ፣ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ሌተርኦፍ ክሬዲትን ምትሓዝ ዝካኣል ኮይኑ በዚ መሰረት ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፣ ንናይ ቢሮ ኣቁሑት ፈርኒቸር ፣ ናይ መኻይን መለዋወጢ አቑሑት ናይ ሞተር ሳይክላት መለዋወጢ ኣቑሑት ፣ ናይ ንህቢ ዘበናዊ ቆፎን ናይ ሕትመት ግልጋሎትን ብር 5000.00 ፣ ንናይ ፅሬት መሳርሒ ኣቁሑት ብር 3000.00 ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጉለመኸዳ ከትሕዙ ዝኸእሉ ክኾኑ ኣለዎም

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ጉለመኸዳ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምኻኑ ክትፈልጡ ይግባእ በዚ መሰረት ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 01/13/2011 ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዘኽፈተሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸበሉ በቲ ዕለት 01/13/2011 ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረት ይኸፈት

6 እቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት እንተዳኣ ብከላንደር ዝዕፆ በዓል ኮይኑ ኣብ ዘቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይፍፀም

7 ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን 45 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምካኑ ዘቅርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ክረጋገፅ ይግባእ

8 ተጫረቲ ዋጋ እትመልኡ ኣብ ዝወሰድኩምዎ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ እንትኸዉን በዚ መሰረት ቫት ወይ ድማ ቲኦቲ ዝሓወሰ ዋጋ ክትመልኡ ኣለኩም

9 ተጫረቲ ጨረታ እነጫርተሉን ዝክፈተሉን ቦታ ኣብ ወረዳ ጉለመኸዳ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲነ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ምካኑ ፈሊጥኩም ክጫረቱ ክኾኑ ኣለዎም

10 ተጫረቲ ናይ ዝቀርቡ ንብረታት ርኽኽብ ዝፍፀመሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ጉለመኸዳ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይኑ ናይ መጓዓዝያ ፣ መፅዓንን መራገፍን ካብ መቕረባይ ምኻኑ ፈሊጦም ክጫረቱ ኣለዎም

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ናም ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

12 ኣድራሻና ወረዳ ጉለመኸዳ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 03 44 34 01 26 ወይ 09 14 28 99 03 / 09 37 03 77 79 ምድዋል ይካኣል

Backs
Tender Category