ኣብ 2008 ዓ∙ ም ናይ መደበኛ በጀት ንቲ ቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መለዋወጢ ኣቁሑትን ጎማን ዝተፈላለዩ መካይን በጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ነዞም ስዒቦም ዝቀረቡ ረቀሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም
- ነዚ ጨረታ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰየን ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ ሓባይ ህንፃ ሓደ ምድር ቤት ቁፅሪ ክፍሊ 23 ብምምፃእ ንሕድሕድ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
- ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቅብሊት ከቅርቡ አለዎም
- ተጫረቲ ግብሪ መንግስቲ ዝከፈሉን ናይ 2007 ዓ ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑን በብወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ ካብ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ዝከፈሉ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎምን
- ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ክሳብ ዕልት 24 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ንሱ መላት እዉን 24 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ህንፃ ሓደ ቁፅሪ ክፍሊ 23 ይክፈት
- እቲ ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ብምዕሻግ ናብ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ኣለዎም
- እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 45 መዓልትታት ይከዉን
- እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
Backs