ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዩን ማሕበር ኣብ ዋና ቢሮ ከተማ መቐለ ዝርከብ ህንፃ ናይ ማይን ሽቃቅን መስመር /sanitary installation/ ፅገና ንምግባር ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከስርሕ ስለዝደሊ ክትጫረቱ ትደልዩ ሳንተሪ ኢንስታሌሽን ስራሕቲ ፍቃድ ዘለኩም ክትጫረቱ ንዕድም፡፡
  • Posted Date: ሓሙስ ጉንበት 29, 2011 (over 5 years ago)
  • Closing Date: ረቡዕ ሰነ 5, 2011 03:00 Morning (closed)
  • Bid Bond:2%
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:50.00
  • Bid Opening Date: ረቡዕ ሰነ 5, 2011 03:30 Morning
  • Water Works Construction/
  • Print
  • Pdf

እዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ክተወዳደሩ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ።

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ፣ ንግዲ ምዝገባ ክፍሊት ምዝገባ ሰርቲፊኬት/ቲን/ ፣ ናይ ቫት ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም ዝገልፅ መረዳታ፣ ናይ ዝሓፈ ዲክላሬሽን ናይ ቧንቧ ሳኒተሪ ኢንስታሌሽን ምዝገባ ካርዲ ክተቅርቡ ትኽእሉ ፤

2 ተጫረቲ ካብ ዝቐረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ቢድቦንድ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ::

3 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ካብ ውዕሊ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም፡

4 ዝርዝር ናይ ሕድሕድ ዝገልፅ ዶክመንት ካብ ዕለት 27/09/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 5/10/2011ዓ/ም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 50.00 (ሓምሳ ብር) ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

5 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ከይተጋደለ ከቅርቡ ይግባእ፡፡ ዝተጋደለን ብትክክል ዘይተመልአን ቅደም ሰዓብ ዘተዛብዐን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ይግበር፡፡

6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፐሮጀክት ፋይናሻል፣ ሓደ ኦርጂናልን፣ ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ውሕስና ሰነዳት ኣብ ዝ/የ ፖስታታት ተዓሺጎም ኩሎም ፖስታታት ድማ ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ 4ይ ደብሪና ቢሮና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ናይ ስራሕ ሰሰዓት ኣታዊ ይገብሩ፡፡

7 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 05/10/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ቦታ አብ ደደቢት ትካል ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይኸዉን:: ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ኣብ ሰዓቱ ይኽፈት።

8 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ፡፡

9 ተወሳኪ ሓበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-400014 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ

Backs
Tender Category