ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ጥሙር ዕድጊት ንከተማ ዓብይ ዓዲ ግልጋሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑ ፅሬት፣ ኣቅሑ ቢሮ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ዘሐደስኩም

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 መለለይ ካርዲ መቅረባይነት ዝተውሃቦ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለኩም፤ ናይ ወርሒ ለከቲት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ናይ መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን:: 

5 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፤

6 ንጨረታ መክበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 4000.00 ቅርሺ፣ንኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ንኣቅሑ ፅሬት 3000.00ሽሕ ቅርሺ፣ንኣቅሑ ቢሮ 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ቁፅሪ 6 ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ ነተሓሳስብ፤

9 ምልክታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት ካብ 20/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 11/08/2011 ዓ/ም እንትከዉን 4:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 11/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 11/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክረከቡ ኣለዎም፡፡

12 ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንካይ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፈቀድን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344-460058 /0344-461121 ብምድዋል ይሕተቱ::

Backs
Tender Category