ቤት ፍርዲ ወረዳ ሰ/ሳምረ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈትና ከገልግሉ ዝክእሉ ዝተፈላላዩ ናይ ህንፃ መሳርሒ ካብ ናይ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • Posted Date: ቀዳም ጥሪ 18, 2011 (over 5 years ago)
  • Closing Date: ዓርቢ የካቲት 8, 2011 09:30 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:0.00
  • location: ሳሓርቲ ሳምረ
  • Bid Document Price:0.00
  • Bid Opening Date: ዓርቢ የካቲት 8, 2011 10:00 Afternoon
  • Building/Material Materials/
  • Print
  • Pdf

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ኮይኑ ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ከፊሎም ንግዲ ፍቃዶም ዘሐደሱ፣ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ከቅርቡ ዝክእሉ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኮኑ፤

2 ተወዳደርቲ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ኣብ ሰነድ ጨረታ ምስ ቫቱ ሓዊሱ ክመልኡዎ ኣለዎም ፣ ዝተመልአ ዋጋ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፤

3 ነጋዶ ኣብ ናይ መወዳደሪ መረዳእታኩም ከምኡውን ኣብ ናይ ቲን ዋጋ መመልኢ ቅጥዒ ናይ ትካልኩም ማህተም፣ ሽምን ፊርማን ዝዓረፎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ/ ንቤት ፍርዲ ወረዳ ሳ/ሳምረ ዕደጋ ኦፊሰር ምቅራብ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ጨረታ ሰነዶም ውድቂ ይግበር፤

4 ምልክታ ተለጢፉ ዝፀንሓሉ ግዜ ንተከታታሊ 15 መዓልቲ ናይ ስራሕ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ብድምፂ ወያነ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ዕለት 20/05/2011ዓ/ም ክሳብ ዕለት 08/06/2011 ዓ/ም ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ከምትክእሉ ብምሕባር ጨረታ ዕለት 08/06/2011ዓ/ም ሰዓት 9:30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 10:00 ድ.ቀትሪ ኣብ ቤት ፍርዲ ሳ/ሳምረ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ወይ ዘይተረከብሉ ይክፈት፤

5 ተወዳደርቲ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ብደብዳቤ ተገሊፅልኩም ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ በቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን መሰረት ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጋዓዝያ መራገፍን ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ዝክእል፤

6 ቤት ፅሕፈትና ካብ ዝግዛእ ነፀላ ኣቅሓ 20 ሚኢታዊ ናይ ምቅናስ ወይ ምውሳክ መሰል ኣለዎ፤

7 መቅረባይ ንውድድር ዘቅረቦም ኣቅሑት ኣብ ምቅራብ ናይ ኣቅሑት ለውጢ ምግባርን ናይ ዋጋ ምምሕያሽን ኣይከኣልን፤

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540196 ምድዋል ይከኣል፤

Backs
Tender Category