ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ንስራሕቲ ግራፊክስ ዝኾና 20 ኮምፒተራት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደሊዩ ተጫረት ንክትጫረቱ ንዕድም።

1 ናይ 2010 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (ቫት) ተመዝገብቲ ዝኮኑን

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና 5% ብር ብመልክዕ ስፒኦ ወይ ድማ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ዝተወሃበ ቼክ ከቅርቡ ዝክእል

3 ናይ ጨረታ ዶክመንት ኩሉ ግዘ አብ ስራሕ ሰዓት ካብ 19/04/2011 ዓ/ም ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ብር) ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ ክፍሊ 308 ሰነድ ክትወስዱ እትክእሉ፤

4 ደኩመንት ጨረታ ብፋይናንሸልን ቴክኒካል መሊእኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቁፅሪ ክፍሊ 409 ክተቅርቡ አለዎ።

5 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 19/04/2011ዓ/ም ን 5ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብምፅናሕ ዕለት 26/04/20111 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 4ይ ፎቅ ቢሮ ቁፅሪ 404 ኣብ ዝርከብ አዳራሽ ይክፈት።

6 ሰዓራይ ጨረታ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ አብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረከብ።

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-410544/46 ፖስታ 450

Backs
Tender Category