ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት በ2011 ንግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • Posted Date: ቀዳም ታሕሳስ 20, 2011 (over 5 years ago)
  • Closing Date: ዓርቢ ጥሪ 3, 2011 03:30 Morning (closed)
  • Bid Bond:4000.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:50.00
  • Bid Opening Date: ዓርቢ ጥሪ 3, 2011 04:00 Morning
  • Electronic Equipment & Accessories/
  • Print
  • Pdf

በዚ መሰረት

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ዝትሐደሰ ንግዲ ፍቃድ መቕረባይነት ዘለኩም::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ/TIN/ መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ::

3 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ናይ ወርሒ ሕዳር ዲክለር ዝገበርኩምን::

4 ተጫራቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /specification/ መሰረት መሊኡ ዘቕርብ ክኸዉን አለዎ::

5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 18/04/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ዘይምለስ 50.00 ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካአል::

6 መኽበሪ ጨረታ 4000.00 /ኣርባዕተ ሽሕ/ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅደሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ክትሕዙ አለዎም::

7 ጨረታ ዝዕሽግሉ ዕለት 03/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይክፈት::

8 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይረኺቦም እዉን እቲ ጨረታ ንምክፋት ዝዓግቶ የለን።

9 ዘድሊ በዝሒ ዶክሜንት ኦርጅናል ምስ ኮፒ ተዓሺጎም ከቅርቡ ኣለዎም።

10 ጨረታ ዝፀንዐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩን 45 ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ::

11 ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም አብቲ ቤ/ፅሕፈትና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ድልየት መግለፂ ጥራሕ ይኮዉን::

12 አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን።

13 ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ማህተም ናይ ድርጅትኩም ከዓርፎ አለዎ።

14 ቤ/ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ::

ኣድራሻ- ሓዱሽ ህንፃ ኤጀንሴ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ጎኒ ቤት ትምህርቲ መርሲ ፋይናንስን ህንፃ 1ደብሪ ቑፅሪ 105 ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-406380 ምርካብ ይከኣል::

Backs
Tender Category