ዉቅሮ ጠቅላላ ሆስፒታል ደ/ከ/ስራሕ/ዕዳ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ናይ ኮምፒተር :ፕሪንተር: ፎቶ ኮፒን ካልኦት ማሽነሪ ኣቁሑትን ምፅጋን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዉዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ይደሊ ስለዚ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሰ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም::
  • Posted Date: ቀዳም ነሓሰ 9, 2007 (over 9 years ago)
  • Closing Date: ሓሙስ ነሓሰ 21, 2007 06:00 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:0.00
  • location: ዉቅሮ
  • Bid Document Price:0.00
  • Bid Opening Date: ሰሉስ 5, 2005 06:00 Afternoon
  • Computer and Electronics Maintenance/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዉቅሮ ጠቅላላ ሆስፒታል ደ/ከ/ስራሕ/ዕዳ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ናይ ኮምፒተር :ፕሪንተር: ፎቶ ኮፒን ካልኦት ማሽነሪ ኣቁሑትን ምፅጋን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዉዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ይደሊ ስለዚ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሰ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም::

ሀ  ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት/ ረቋሒታት/

1 በቲ ዓዉደ ስራሕ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ከምኡ እዉን ቲን ናምበርን ኣብ ትልምን ፋይናንስን ብምቅረባይነት ዝተመዝገቡን ኦርጅናልን ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2 ንጨረታ መክበሪ ትሕጃ ብር 2000 /ክልተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ /CPO/ ከትሕዝ ዝክእል

3 ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ጥራሕ ይወዳደር

4 ጨረታ ዝሰዓረ ዉዕሊ እንትኣስር ካብ ዝአሰሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ንዉሕስና አፈፃፀም ስረሕ መክብሪ ውዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

5 ተጫረቲ ካብ ዝተመልአ ዝርዝር ዋጋ ድምር ዝተሐተ ብምዉሳድ ሰዓራይ ዝኽዉን ምካኑ  ኣሚኖም ክወዳደሩ ዝክእሉ

6 ተጫራታይ ፕሪንተር : ኮምፒተር ወይ ካልእ ማሽነሪ እንትበላሸዉ ብቀረባን ቁልጣፋን ክዕሪ ዝክእለ ጥራሕ ይወዳደር

ለ  ናይ ተጫረቲ  መምርሒ

1 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 8/12 /2007 ዓ/ም እስካብ 21/12/2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ዘይምለሰ ብር 30 ከፊልካ ካብ ዉቅሮ ጠቅላላ ሆስፒታል ደ/ከ/ስራሕ/ዕዳ/ፋይ/ንብ/ ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 1 ምዉሳድ ይከኣል

2 እዚ ጨረታ ዕለት 21/12/007 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 9:30 ይኽፈት

3 ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ ኣቀሚጦም አበ ዝተዓሸገ ፖስታ ኮፒን ኦርጅናልን ኢሎም በበይኑ ከቅርቡ ይግባእ

4 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ዶክመንት ሽሞም /ሽም ትካሎም/ ፊርመኦምን ማህተምን ከዕርፉ አለዎም

5 እቲ ጨረታ ዝተፈላለዩ መልክዑ ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረትቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ጌሩ ንቐፃሊ ከይሳተፉ ይገብር

6 ተጫረትቲ ድሕሪ ሳፁን ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ እዉን ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን /ናብ መንግስቲ አታዊ ይኽዉን/

7 ተጫረትቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሕቶ መብርሂ /ወይ መማሐየሺ እንትሃልዎም ናይ ጨረታ መኽፈቲ 5ተ መዓልቲን ልዕሊኡን እንትተርፎ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብፅሑፍ ከቅርቡ ዝኽእሉ ምካኖም

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን

9 ሰዓራይ ምካኑ ዝተነገረሉ ተጫራታይ እቲ ዉዕሊ ክሳብ ዕለት 30/10/2008 ዓ/ም ዉዕሊ ዝአስር /ዝፀንዕ/ እዩ

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

        ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430057 ደዊልካ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል

Backs
Tender Category