ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ንናይ ከተማ ኣብያት ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝውዕል ሎት 1 ኤሌክትሮኒክስ ፣ ሎት 2 ፈርኒቸር ፣ ሎት 3 ናይ መኪና ጋራዠ ፅገና ፣ ሎት 4 ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ሎት 5 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ካብ ናይ ዩኤል ጂዲፒ 2ተ በጀትን ካብ ስሩዕ በጀትን ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን ኣገልግሎት ክረክብ ስለዝደለየ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ መዐቀነታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልኩምን  በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቅዳሕን ዋንኡን ሒዝኩም እትመፁ

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ (Tin number)

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትኽእሉ

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መራዳእታ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤ እዚ ንናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑት ኣይምልከትን፤

5 ኣብ ናይ ጋራዥ ፅገና መኪና እትወዳደሩ ነጋዶ ደረጃ 3ተ ልዕሊኡን ምዃንኩም ዝገልፅ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 30/03/2011 ዓ/ም ጀሚረኩም ክሳብ 15/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 11.30 ንነብሲ ወከፍ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ  እናኸፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ዓዲግራት ምውሳድ ትኽእሉ።

7 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ንኤሌክትሮኒክስ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ንፈርኒቸር ኣቅሑት 6000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንናይ ጋራዥ ፅገና መካይን 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ንናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑት 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንመለዋወጢ ኣቁሑት መኪና 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማ ጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክተድሕዙ ይግባእ።

8 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እቲ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ እዋን ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይኸውን። 

9 ሳንዱቅ ጨረታ 16/04/2011 ሰዓት 4.00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4.30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

10 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይገባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዩዎ ግና ፊርማ በዓል ዋና ክዓርፎ ይግባእ።

11 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገበቲ እትመልእዎ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክኸውን ይግባእ።

12 ኣብቲ ዝተመልኣ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኾይኑ እቲ ዝተመልኣ ዋጋ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

13 ኣብ ነብሲወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ።

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ናብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ወይድማ በቁፅሪ ስልኪ

0344-450282   0344-450607 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
  • ሶፍትዌርን ኔትዎርክ (58)
    • ኮንስትራክሽን (1048)
      • ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት (4463)
        • ሒሳብ ኣደሓሕዛን ኦዲት ምግባርን (256)
          • ሕርሻ (512)
            • ህንፃ መሳርሒ (7194)
              • ፅሬትን ንፅህና ኣቁሑት (1689)
                • ምምካር (180)
                  • ትምህርቲን ስልጠና (199)
                    • ኤሌክትሪካልን ኤሌክትሮ መካኒካል (1832)
                      • ምግብን መስተን (515)
                        • እግድ (40)
                          • ፈርኒሽንግን ፊክስቸር (77)
                            • ፈርኒቸር (1283)
                              • ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት (86)
                                • ውህብቶን ውፅኢት ኢደ ጥበብ (4)
                                  • ጥዕና (266)
                                    • ናገዛ ኣቁሑት (88)
                                      • ኢንሹራንስ (4)
                                        • ናይ ቤተ ፈተነ ኣቁሑትን ኬሚካልን (288)
                                          • መሬትን ሊዝን (59)
                                            • ፅገና (833)
                                              • ናይ ሕክምና ኣቁሑት (426)
                                                • መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን (21)
                                                  • ናይ ቢሮ አቁሑትን ፅሕፈት መሳሪሕን (2986)
                                                    • መዐሸጊን መጠቅለሊን ወረቀት (6)
                                                      • ምስሊን ቀረፃን (23)
                                                        • ስራሕቲ ሕትመት (1658)
                                                          • ስራሕቲ ምልላይ (83)
                                                            • ክራይ (741)
                                                              • መሸጣ (1182)
                                                                • ስራሕቲ ሓለዋን ሰኪዩሪቲ (94)
                                                                  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ (8593)
                                                                    • ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን (361)
                                                                      • መሳሪሕታት ቴሌኮሙኒኬሽን (25)
                                                                        • ጨርቃ መርቂን ውፅኢት ቆርበትን (832)
                                                                          • ናይ ትራንዚትን መጋዓዝያን ግልጋሎት (360)
                                                                            • ተሽከርከርትን ከበድትን ማሺነሪ (579)
                                                                              • መኽዝን (33)
                                                                                • ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ (237)
                                                                                  • ኣልሙኒየም፡ መስትዋትን ስራሕቲ ሓፂነ መፂን (267)
                                                                                    s