1 ናይ 2010 ዓ/ም በቢዘርፉ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮይኑ ኮፒ ገይሩ ዘቅርብ፤
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ (TIN NO) ዝሐዝኩምን
3 ኣብ መንግስቲ ንክትጫረቱ ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርትፊኬት መረዳእታ ቅርብ ዝክእልን::
4 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት (ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፅገና) ብደብዳቤ ተገሊፅልኩም ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 30/10/2011 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤
5 ተጫረቲ መወዳደሪ ደኩሜንትኩም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ ከምትክእሉ::
6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር) እናኸፈኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 28/03/2011 ዐ/ም ክሳብ 12/04/2011ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11:00 ናይ ምሸት እናመፃእኹም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ፤
7 እቲ ጨረታ ዕለት 15/04/2011 ዓ/ም ልክዕ 4:00 ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4:10 ቀትሪ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስለሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት።
8 ተጫረቲ በቢዝመልከተኩም ዘርፊ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፅገና ብር 1000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ።
9 ትካልና መጠን ዝግዛእ ንብረት 20% ክዉስክን ወይ ክቅንስን ዝክእል ምኻኑ::
10 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ ::
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347-730211 ደዊልኩም ሕተቱ::
Backs