ማሕበራዊ ረደኤት ትግራይ (ማረት) ዝተፈለላዩ ናይ ቤት ትምህርቲ ናውቲ ኮምባይን ዴስክ ጠረጴዛን ወንበርን (Different size of school furniture) ምስራሕን ሰሪሕካ ድማ በቢወረድኡ ምጉዕዓዝ ትደሊ።

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 613 (200.00) ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይኽእሉ፤

2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገበሉ ናይ ቫት ሰርቲፊኬትን ፣ ቲን ቁፅሪ ፣ ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም መረጋገፂ ክተቅርቡ ይግባእ።

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% (ክልተ ካብ ሚኢቲ) ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ሕጋውነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለኩም።

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ማለት 26/03/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 16/04/2011 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሽተ 5:00 ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረትኦም ከቅርቡ ይኽእሉ።

5 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 16/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት። ከምኡውን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንክፈት ምዃና ንሕብር።

6 እቲ ዝተውሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን። እቲ ዝመላእኩዎም ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ።

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለትን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ። ከምኡ ድማ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification) እቲ መአዘዚ ሰነድ ድማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

9 እቲ ድርጅት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-406300/406640 ምድዋል ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
  • ሶፍትዌርን ኔትዎርክ (58)
    • ኮንስትራክሽን (1047)
      • ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት (4462)
        • ሒሳብ ኣደሓሕዛን ኦዲት ምግባርን (256)
          • ሕርሻ (512)
            • ህንፃ መሳርሒ (7194)
              • ፅሬትን ንፅህና ኣቁሑት (1689)
                • ምምካር (180)
                  • ትምህርቲን ስልጠና (199)
                    • ኤሌክትሪካልን ኤሌክትሮ መካኒካል (1832)
                      • ምግብን መስተን (515)
                        • እግድ (40)
                          • ፈርኒሽንግን ፊክስቸር (77)
                            • ፈርኒቸር (1283)
                              • ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት (86)
                                • ውህብቶን ውፅኢት ኢደ ጥበብ (4)
                                  • ጥዕና (266)
                                    • ናገዛ ኣቁሑት (88)
                                      • ኢንሹራንስ (4)
                                        • ናይ ቤተ ፈተነ ኣቁሑትን ኬሚካልን (288)
                                          • መሬትን ሊዝን (59)
                                            • ፅገና (833)
                                              • ናይ ሕክምና ኣቁሑት (426)
                                                • መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን (21)
                                                  • ናይ ቢሮ አቁሑትን ፅሕፈት መሳሪሕን (2986)
                                                    • መዐሸጊን መጠቅለሊን ወረቀት (6)
                                                      • ምስሊን ቀረፃን (23)
                                                        • ስራሕቲ ሕትመት (1658)
                                                          • ስራሕቲ ምልላይ (83)
                                                            • ክራይ (737)
                                                              • መሸጣ (1182)
                                                                • ስራሕቲ ሓለዋን ሰኪዩሪቲ (94)
                                                                  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ (8589)
                                                                    • ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን (361)
                                                                      • መሳሪሕታት ቴሌኮሙኒኬሽን (25)
                                                                        • ጨርቃ መርቂን ውፅኢት ቆርበትን (832)
                                                                          • ናይ ትራንዚትን መጋዓዝያን ግልጋሎት (360)
                                                                            • ተሽከርከርትን ከበድትን ማሺነሪ (579)
                                                                              • መኽዝን (33)
                                                                                • ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ (237)
                                                                                  • ኣልሙኒየም፡ መስትዋትን ስራሕቲ ሓፂነ መፂን (267)
                                                                                    s