1 ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም፤
2 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ዲከለር ዝገበርኩም
3 ብመቅረባይነት ዝተመዝገብኩምን ዘሐደስኩምን
4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (ቲን) ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ክተቅረቡ እትኽእሉ፤
5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 19/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/04/2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ኤጀንሲና ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ ንብረትን 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 102 ዘይምለስ ብር 50.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይከኣል።
6 ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ) ብር ብሲፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።
7 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 02/04/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ንምኸፋት አይተዓናቀፍን።
8 ኤጀንሲና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-405030 ምድዋል ይከኣል።
Backs