ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ::
  • Posted Date: ሶኒ ሕዳር 10, 2011 (over 5 years ago)
  • Closing Date: ዓርቢ ሕዳር 21, 2011 09:00 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:5000.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:30.00
  • Bid Opening Date: ዓርቢ ሕዳር 21, 2011 09:30 Afternoon
  • Electronic Equipment & Accessories/
  • Print
  • Pdf

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ (ቲን) ዘለዎን መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፣  ከምኡውን ሰነድ ጨረታ ካብ 6/03/2011ዓ/ም -21/03/2011ዓ/ም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 23 30.00 ብር ብምኽፋል ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል::

2 ጨረታ መክበሪ ብር ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ዝርዝር መረዳእታ መሰረት ዝገበረ 5,000 ሓሙሽተ ሽሕ ብርብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ  ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ አለዎም::

3 እቲ ጨረታ 21/03/2011 ዓ/ም ናይድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ተፃፅዩ 21/03/2011 ዓ/ም ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት 9:30  ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ቦታ ይክፈት።

4 እቲ ቢሮ ዝዕድጎም ኣቅሑት ከምኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

5 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ይኸውን።

6 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫረቲ እተቅርብዎ ዋጋ  ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊስኩም  ክተቅርቡ ኣለኩም። ቫት ያስጨምራል (ቫት የወስኽ እዩ ) ኢልካ ምፅሓፍ ኣይከኣልን።

8  ሰዓራይ ዘሰዓሮም ኣቅሑት በቲ ዝወፀ ዝርዝር መረዳእታ መሰረት ትኽክል ምዃኑ ምስተረጋገፀ ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ኣብ 10 መዓልቲ ውሽጢ ናብቲ ቢሮ ኣታዊ ይገብር።

9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ከይዲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ እቲ ቢሮ ዝርከበሉ ቦታ  ኮምፕሌክስ (ናይ ሓባር ህንፃ) ብኣካል ብምምፃእ ብስ.ቁፅሪ 0344-408878 ደዊልካ  ምሕታት ይከኣል።

Backs
Tender Category