ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ናይ ቢሮና ሕታም ንዝኾነት ክልተ ሰሙናዊት ሕታም መቃልሕ ጋዜጣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ክኣስር ይደሊ::
  • Posted Date: ሓሙስ ጥቅምቲ 15, 2011 (over 6 years ago)
  • Closing Date: ሰሉስ ሕዳር 4, 2011 08:30 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:17500.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:50.00
  • Bid Opening Date: ሰሉስ ሕዳር 4, 2011 09:00 Afternoon
  • Printing & Publishing Service/
  • Print
  • Pdf

1 ጨ..ቁ ቢ.ር.ህ/ክ/ት/ሕት-02/2011 ናይ ሕትመት /መቃልሕ ጋዜጣ/

በዚ መሰረት አብዚ ጨረታ ክትሳተፍ እትደለዩ ተወዳደረቲ እተማልአዎ ረቋሒ::

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ፣ ቫት ተመዝገበቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቨት ሪፖርት፣ መፍለይ ቑፅሪ / TIN/ ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኮኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ::

2 ኣብ ሰነድ ጨረታ ወይ ኣብ መምርሒ ተጫረቲ ዝርዝር ንዝተገለፁ ቴክኒካል መዐቀኒ ከማልኡ ዝኽእሉ

2 መክበሪ ጨረታ

ብር 17500.00 /ዓሰተ ሸውዓተ ሸሕን ሓሙሽተ ሚኢቲን / ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ::

3 ዋጋ ሰነድ ጨረታ

ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ ብር / ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 22 ካብ ዕለት 14/02/2011 ክሳብ 04/03/2011 ዓ/ም አብ ዘሎ ናይ ስራሕ ግዜ መፂኹም ምግዛእን ንዕኡ ኣብ ዝተዳለወ ሰንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክአሉ ::

4 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኽፈተሉን ዕለት::

4.1 ዕለት 04/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ልዕል ኢሉ አብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት::

5 ቢሮና ነቲ ዘሐትሞ ሕትመት ከምኣድላይነቱ 20 % ናይ ምዉሳክ ወይም ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

6 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % አትሒዙ ዉዕሊ ዝኣስርን

7 ሰዓራይ በቲ ዝወፀ ስፐስፊክሽን መሰረት ፅሬቱ ብዝምልከቶም ኣካለት ምስተረጋገፁ አብቲ ዘድልየሉ እዋን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና አታዊ ይገብር::

8 እዚ ጨረታ ፀኒዑ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 መዓልቲ ዝፀንዐ ይኸዉን::

9 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምንራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10 ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮና ዝርከበሉ ፊት ለፊት ኣግአዚ ባንኪ ጎኒ ዘዩርዳኖስ ሆቴል ::

ስቑ 0344 - 40 93 43 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ::

ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ

Backs
Tender Category