1 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ንግዲ ከቅርብ ዝኽእል
2 ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክሰ ዝኮነን ወረቀት ምስክር መቅረባይነት መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል
3 ነዚ ሰራሕ ከስርሖም ዝኽእል መረዳእታ ትምህርቲ፣ሓይለ ሰብ፣እዚ ዘበን ዝጠልቡ ዘመናዊ መሳርሒ ኤሌክትሪክ፣መስርሒ ቦታን ካልኦት እታዎታትን ብመረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል
4 ዘዳለውዎ ትሕዝቶ መበገሲ ሓሳብ ካብ 8ተ ገፅ ዘይበልፅ ኣብ ቀዳማይ ውድድር ከቅርቡ ዝኽእሉ
5 ኣብ ቀዳማይ ውድድር ዝሓለፉ ተወዳዳርቲ ሙሉእ ፕሮፖዛልን ነቲ ስራሕ ዘድሊ መጠን ገንዘብ ኣብ ውሽጢ 15ተ መዓልቲ ሰሪሖም ከረክቡ ዘኽእሉ
6 መኸበሪ ጨረታ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ብቤት ፅሕፈት ማልት ዝተሰናደአ ብሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ
7 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ 500.00 ቅርሺ ብምኸፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ክፍሊ ቁፅሪ 430 ምውሳድ ይከኣል
8 ተጫረቲ ኣብ ውሸጢ ሰነድ ጨረታ ብዝርዝር ዝተገለፀ ካብ ቁፀሪ1-3 ዝተጠቀሱ መረዳእታታት ማሕተም ገይሮም ሓደ ዋና ሓደ ቅዳሕ ነንበይኑ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 03/13/2010 - 18/01/2011ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ይኽእሉ
9 ሳንዱቅ ጨረታ 18/01/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዳራሽ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት
10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ
ንተወሳኺ ሓበሬታ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-405355 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
Backs