ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ሴክተር ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ማይ ትቦ መለዋወጢ አቁሑ :ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት :ኤለክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ብዚ ቀፂሎም ዝዝርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶን ትካላትን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም

  1. ናይ 2009 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈለን ክከዉን ኣለዎ
  2. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣ ካርዲ መቅረባይነት ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን ካልኦት ዘድሉ መረዳእታን ቅዳሕ ከቅርቡ ዝኸእሉ
  3. ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መስከረም ጥቅምቲ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎም
  4. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 2 ሕዳር 2009 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 16 ሕዳር 2009 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነደ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ዋናን ቅዳሕን ምእታዉ ይከኣል
  5. መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንናይ ማይ ትቦታት መለዋወጢ አቁሑት 7000 ቅርሺ ንዝተረፉ ድማ ንሕድሕድ 2000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  6. ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  7. መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል
  8. እቲ ጨረታ 16 ሕዳር 2009 ዓም ሰዓት 8፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዶሃ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረከብሉ ይክፈት
  9. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343450110/0343450112ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Backs
Tender Category