ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ብከባቢያዊ ልምዓት ኣብ 2009 ዓም በጀት ዓመት ከስርሖም ካብ ዝሓዞም ፕሮጀክታት መንገዲ ጋራጋንቲ ምሩፅ ሓመድ ናይ መሰቦ ካብ ናይ መሰቦ ካሪ ሳይት ብናይ ባዕሎም መኪና ገልባጭ /ሲኖትራክ/ ብምፅዓን ኣብ ናይ ክፍለ ከተማና ዝተፈላለዩ ቦታታት መንገዲ ጋርጋንት ዘድለዩም መንገድታት ብምጉዕዓዝን ንምርገፍ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

1 ናይ 2009 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ስራሕ ፈቃድ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ ቲን ምዝገበ መረዳእታ ዘለዎም ወን

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና ብኢትዩጰያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ናይ ገንዘብ ክፍሊት መአዘዚ ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም ወይ ብጥረ ገንዘብ መክበሪ ጨረታ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ/ ከትሕዙ አለዎም

3 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ከብ ዕለት 18/01/2009 ዓም ክሳብ 1/3/2009 ዓ/ም ካብ ከባቢያዊ ልምዓት ክከተማ ዓይደር ቤት ፅሕፈት ቁፅሪ 08 ዘይምለስ 100 ብር /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

4 ተጫረትቲ መራገፊ ሳይት ካብ ዝተረከበሉ ግዜ ኣብ ዉሽጢ 5 ተካታተልቲ መዓልትታት ሙሉእ ብሙሉእ አጓዓዒዞም ክዉድኡ አለዎም

5 ተጫረቲ ሽምን ኣድራሻን ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሰንዱቅ ክሳብ ዕለት 1/3/2009 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ከእትዉ አለዎም

6 ጨረታ ዕለት 1/3/2009 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ተጫረትቲ ኣበ ዘለዉሉ ይክፈት

7 ከባብዊ ልምዓት እዚ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረከቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝZተሓለወ እዩ

 ዝምላእ ሰነድ

ሙርፅ ሓመድ ዝመፅኣሉ ሳይት ካብ መሰቦ ካሪ ሳይት ብናይ ባዕሎም ገልባጭ መኪናን ነዳድን ናብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ጣ/ዓድሓ ጣ /ማርታ ጋራንት ዘራገፍሎም ቦታታት ናይ ሐደ ብያጆ መጓዓዓዚ ዋጋ ________ ብር ብፊደል ________

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344400518 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል

Backs
Tender Category