ቑፅሪ ጨረታ 01/2018
ኢንተርፕራይዝ ምሩፅ ዘርኢ ትግራይ ፅገና ተሽከርከርቲ ደረጃ 4ዯን ልዕሊኡን ዝኮኑ ኣወዳዲሩ ዓመታዊ ውዕሊ ክኣስር ይደሊ፤ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ ትደልዩ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ትካላት ኣብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ እንዳዓደምና፤ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ካብ 02/04/2018 ዓ/ም ጀምሩ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድኹም ብምሓዝ ካብ ትካልና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቑፅሪ 03 ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃኩም ምውሳድ ትክእሉ ምዃንኹም እናገለፅና፤ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ምምላእ የድሊ፦
➢ ናይ'ዚ ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ናይ ግብር ከፋላይነት መለለዪ ቑፅሪ (T) ፣ ናይ መቅረባይነት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ብቅዓት መረጋገፂ መረዳእታ ፣ ቫት ሰርትፍኬት ፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክሌር ዝተገበረሉ መረዳእታ ምስ ጨረታ ሰነድ ተተሓሒዙ ክቀርብ ኣለዎ፤
➢ ናይ መክበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ብር 20,000.00 ብCPO ኣስሪሕኩም ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ክተቅርቡ ግድን ይኸውን፣
➢ ትካልና ኣብ ጨረታ ካብ ዝቀረበ በዝሒ ክሳብ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
➢ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ ጊዜ 30/ሰላሳ ተኸታተልቲ መዓልቲ ይኸውን፤
➢ ትካልና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሃለወ እዩ፣፣
➢ እዚ ግልፂ ጨረታ 21/04/2018 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡00 ይክፈት፡፡
➢ ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ 06 ድሕሪ ዶምፖስኮ ቤት ትምህርቲ ፊት ንፊት እንስሳት ሕክምና፣
➢ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0914 72 37 52/0948 48 66 25 ምሕታት ይከኣል፡፡
ድሕሪት