ምልክታ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ
ዋኒኑ፣ ዝተፈላለየ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ናዉቲ ብጨረታ ምዕዳግ ይምልከት
ትካል ማእኸልኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ዝተፈላለየ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ናውቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን መስፈርታት እተማልኡ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።
1- ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ
2- ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ክኾን ይግባእ
3- ናይ ከፋሊ ተወሳኺ እሴት ታክሲ መረዳእታ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ
4- ትሕጃ ብስፒኦ ካብ ዘእትዎ ዋጋ 10% ዘይምለስ ከትሕዝ ኣለዎ
6- ናይ ጨረታ ሰነድ መዐደጊ 100.00 ብር ምዃኑ
* ትካልና እዚ ጨረታ ሙሉእ ንሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ። *ካብ ትካል ዘቅረቦ መማረፂ ስፐስፊኬሽን ወፃእ ዝቀርብ _ ዓይነት ንብረት ተቀባልነት የብሉን *ኣብ ዝምላእ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት ኣይህልዎን
*ዝሰዓረ ትካል ጨረታ ካብ ዝተኻየደሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ባዕሉ ኣታዊ ክገብር ይግባእ
* ጨረታ ብዝተረኸቡ ሰባት ይኽፈት
* ዝቀርብ ንብረትኣገልግሎት ግዚኡ ናይ 2018ን2019 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዘይወደአ ክኾን ይግባእ
ኣድራሻ
ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን
ጎኒ ኢሜግረሽን ፊት ንፊት ቤ/ፅ ፍርዲ ቤት ወረዳ እንደርታ
ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዜ
ካብ ዕለት 19/02/2018 ዓ/ም ጀሚሩ 24/02/2018 ዓ/ም
ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት
ዕለት 25/02/2018 ስዓት 3ተ ናይ ረፋድ ይካየድ
ድሕሪት